ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ሱማሊያ ዝነበራ ሕጊ ፀረ-ግብረ ሽበራ ኣፍዅሳቶ


ዩናይትድ ስቴትስ ንሱማሊያ እትህቦ ረድኤት ኣብ ኢድ ከም ኣል-ሸባብ ዝበሉ ጉጅለታት ዓመፅቲ ንኸይኣቲ ብምስጋእ ኣብ ልዕሊ ትካላት ረድኤት ኣንቢራቶ ዝነበረት ጥቡቕ ኣሰራርሓ ከምዘፍኮሰቶ ሰበስልጣን ዩናይትድ ስቴትስ ኣፍሊጦም።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ዝሓለፉ 60 ዓመታት ተራኢዩ ብዘይፈልጥ ድርቂ ምኽንያት ልዕሊ12 ሚልዮን ሰባት ህፁፅ ረድኤት እንተዘይረኺቦም ንሰብኣዊ ህልቂት ስለዝተሳጥሑ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ፀረ ግብረ ሽበራ ሕግታታ ዝነበሩ ናይ ረድኤት ኣወሃህባ ኣሰራርሕኣ ኣፍዅሳቶ’ላ።

ማሕበረሰብ ዓለምን ናይቲ ከባቢ መንግስታትን ነዚ ስብኣዊ ቅልውላው ንምሕጋዝ ንዝገብርዎ ምርብራብ ንምምርማር ንኡስ ኮምቴ ጉዳያት ወፃኢ ስኔት ዩናይትድ ስቴትስ ትማሊ ረቡዕ ንቃል ምስክርነት ሰበስልጣን ሰሚዑ።

ዩናይትድ ስቴትስ ንሱማሊያ እትህቦ ረድኤት ኣብ ኢድ ከም ኣል-ሸባብ ዝበሉ ጉጅለታት ዓመፅቲ ንኸይኣቲ ብምስጋእ ኣብ ልዕሊ ትካላት ረድኤት ኣንቢራቶ ዝነበረት ጥቡቕ ኣሰራርሓ ከምዘፍኮሰቶ ሰበስልጣን ዩናይትድ ስቴትስ ኣፍሊጦም።

ምስ ኣልቃይዳ ርክብ ዘለዎ ኣልሸባብ ኣብዝቆፃፀሮም ከባቢታት ሱማሊያ ረድኤት ዝከፋፈል ጥብቕ ብዝበሉ ናይ ሕጊ መለኪዒታት ነይሩ።

ኣብ ሱማሊያ 3.7 ሚሊዮን ዜጋታት ንሕሱም ጥምየት ምስተቓልዑ ዩናይትድ ስቴትስ እዙ ሕጊ እዚ ክልሕልሕ ገይራቶ ኣላ።

ኣብ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ጉዳያት ኣፍሪካ ብዝምልከት ካልኣይ ሰብ ዝበሃሉ ያማማቶ እዮም።

ንሶም ‘’60 ሚእታዊ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣል-ሸባብ ይርከብ።ኣብዞም ከባቢታት ምግቢ ንምብፃሕ ኣዝዩ ኣፀጋሚ ምዃኑ እዩ።እቶም ትካላት ረድኤት ብጥንቃቐ ኣትዮም ህይወት ሰብ ክሳብ ዘትረፉ ዝሕተትዎ ናይ መርገፂ ኽፍሊት ኮነ ኺራይ ኸፊሎም እንተሰሪሖም ሽግር የብሉን።’’ይብሉ።

ቀንዲ ዝበሃሉ ትካላት ረድኤት መሰረታዊ ዝኾኑ ቀረባት ረድኤት ንከቕርቡ ንኣልሸባብ ሕቶ እንተቕረቡ እውን እቲ ጉጅለ ምኽልካሉ ዝፍለጥ እዩ።

ኣልሸባብ ዝፈቕደሎም ትካላት ረድኤት ንኸከፋፍሉ ንቶም ዓመፅቲ ጉቦ ወይ ናይ መርገፂ ኽፍሊት ንክኸፍሉ ይሕተቱ።

ነዚ ዝምልከት ሕጊ ክልሕልሕ ምግባሩ ኣብ ሰኔት ዝለዓለ ተሰማዕነት ንዘለዎም ጆኒ ኣይዛክሰን ዘተሓሳሰበ ጉዳይ እዩ።

ብዙሕ ምህርቲ ብምሕፋስ ዝፍለጡ ከባቢታት ታሕታይ ሸበሌን ባኮልን ዓፀቦ እንተጋጠሞም እውን ረድኤት ንምቕራብ ኣፀጋሚ ከምዝኾኖም ሰራሕተኛታት ረድኤት ይዛረቡ።

መንግስቲ ኣሜሪካ መንግስታትን ህዝብታትን ምብራቕ ኣፍሪካ ብድርቂ ብዝተጠቕዑ ቁፅሪ ኣጋር ኮይኑ ምስራሕ ካብ ዝጅምር ነዊሕ ግዜ ኮይኑዎ’ሎ።ኣሜሪካ ኣብዚ ናይ በጀት ዓመት ጥራሕ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል 459 ሚሊዮን ዶላር ለጊሳ’ላ ይብሉ ኣብ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ምኽትል ምንስቴር ስነ-ህዝብን ስደተኛታትን ሩበን ብርጌዲ።

እቶም ሰበስልጣን ከምዘረድእዎ ዩናይትድ ስቴትስ ነዚ ድርቂ ቀዲማ ተዳሊያትሉ እያ።ሰራሕተኛታት ረድኤት ግን ዋላ’ዃ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝለዓለት ኣቕራቢት ረድኤት ምግቢ እንተኾነት’ውን ኣብ እዋን ቡሽ ይረኽብዎ ካብዝነበሩ ሓገዝ ዝነኣሰ ከምዝረኽቡ ተዛሪቦም ኣለው።

ኣሜሪካ ኣብቲ ናይ በጀት ምንካይ ኣብ ናይ ወፃኢ ረድኤት ውን ትንኪ እንተኾይና ስርሖም ከምዝጎድኦ መርሲ ኮር ኣብ ዝተብሃለ ትካል ረድኤት ዝሰርሑ ጀረሚ ከናይንዳይክ ይገልፁ።

ከናይንዳይክ ብምውሳኽ ዓለምለኸ ጠመተ ኣብ ሱማሊያ እንተኾነ’ውን ኣብ ኢትዮጵያን ኬንያን ዝለዓለ ቁፅሪ ዘለዎም ዜጋታት ህፁፅ ረድኤት ምግቢ ከምዘድልዮምን እቲ ኹነታት እናብኣሰ ይኸይድ ከምዘሎን ይሕብሩ።

ነቲ ሓደጋ ንኸፅንዑ ዝተዋፈሩ ጉጅለታት ኣብ ኬንያን ኢትዮጵያን ዘሎ ኩነት እናመርመዎ ይርከቡ።ኣዝዮም ሰፋሕቲ ከባቢታት ኢትዮጵያን ኬንያን ኣዝዮም ከምዝተጎድኡ ሓበሬታ እናኣከቡ እዮም።ንዓይኒ ብዘስካሕክሕ ዝሞቱን ንኽሞቱ ፀዓርዓር ዝብሉን እንስሳት ተመልኪቶም ኣለው።ናብርኦም ምስ ከብቲ ዝኾኑን ብምርባሕ እንስሳት ዝመሓደሩን ሰባት ኣብ ማዕልቲ ሓደ ግዜ ምብላዕ ስኢኖም ኣለው።እቲ ኹነታት ክሳብ መስከረም ተጋዲዱ ከምዝቕፅል’ውን እቶም ሰራሕተኛታት ረድኤት ይዛረቡ።

XS
SM
MD
LG