ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/መ ጥምየት ሶማልያ ናብ ሻድሻይቲ ዞባ ተጋፊሑ‘ሎ ኢሉ ከምዝእውጅ ተፈሊጡ


ሕ/መ ዝመፅእ ሰኑይ ጥምየት ሶማልያ ናብ ሻድሻይቲ ዞባ ተጋፊሑ‘ሎ ኢሉ ከምዝእውጅ ተፈሊጡ።

ባዓል-ስልጣን ሕ/መ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፣ኣብ ደቡባዊ ሶማልያ ትርከብ ዞባ ቤይ፣ጥምየት ዝሓየለላ ኮይና‘ላ ኢሎም።

ዞባ ቤይ ኣብ ሶማልያ እኽሊ ብበዝሒ ዝፈርየላ ዞባ‘ያ ነይራ።ኣብ‘ዚ እዋን ዘራእቲ ብሰማንያን ክልተን ሚእታዊ ነክዩ‘ሎ።

ብዘይካ‘ዚ፣ኣል-ሸባብ ሰባት ኣብ‘ዚ ዞባ‘ዚ ካብ ሓደ ከባቢ ናብ ካልእ ከባቢ ንከይንቀሳቀሱ ኣጊዱ‘ሎ ይብል ሕ/መ።

ኣብ ማሕበር ልምዓት ዋቢ-ሸበሌ ዳይረክተር ዞባ ደቡብ ሶማልያ ባሽር መሓመድ፣እቲ ከባቢ ንክትሰርሓሉ ኣዝዩ ኣፀጋሚ ምኻኑ ይጠቅስ።

”ብጠንቂ ንክትኣትዎ ኣፀጋሚ ምኻን፣ከምኡውን ዝተፈላለዩ ዕጡቃት ጉጅለታት ዝቆፃፀርዎ ስለዝኾነ፣ዓለም-ለኸ ትካላት ክሓልፉ ኣይኽእሉን። ናይ‘ታ ሃገር ትካላት ገበርቲ ሰናይ‘ውን እንተኾኑ ነቲ ዝተኸሰተ ፀገም ቅልጡፍ ምላሽ ንምሃብ ዓቅሚ ይጎድሎም‘ዮ“ ኢሉ ንሱ።

ሕ/መ ንባኮልን ገለ ክፋል ሸበሌን ጥምየት ዝሳዓረሉ ዞባ ኢሉ ዝገለፀ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ምኻኑ ዝዝከር‘ዩ።

ብኻልእ ወገን ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት ኩነታት'ቶም ኣብ ቀረባ ናብ ኢትዮጵያ ዝአተው ስደተኛታት ሶማል ኣዝዩ ከምዘሻቀሎ ገሊፁ።

እቲ ትካል ብፍላይ ብዛዕባ'ቶም ኣብ ጥቃ ዶብ ሶማልያ ኢትዮጵያ አብ ዶሎ አዶ ዝበፅሑ ብዙሓት አዝዮም ብጉድለት አመጋግባ ዝተሃስዩ አዝዩ ከምዝተሻቀለ ገሊፁ'ሎ።

XS
SM
MD
LG