ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩናይትድ ስቴትስ ንሃገራት ቀርኒ አፍሪቃ ተወሳኺ 17-ሚልዮን ዶላር ረድኤት ከምትህብ አፍሊጣ


ዩናይትድ ስቴትስ ደርቅን ጥምየትን ንኽቃለሳ ንሃገራት ቀርኒ አፍሪቃ ንምሕጋዝ ናይ 17- ሚልዮን ተወሳኺ ረድኤት ከምትህብ አፍሊጣ።

ነዚ ዝገለፃ ሚኒስትሪ ወፃኢ አሜሪካ ሂለሪ ክሊንተን፡ ካብቲ 17- ሚልዮን ዶላር እቲ 12-ሚልዮን ዶላር ናብታ ብደርቅን ጥምየትን ኣዝያ ተሃስያ ዘላ ሶማል ከምዝኸይድ አፍሊጠን።

ኣሜሪካ ዛጊድ 580- ሚልዮን ዶላር ሰብአዊ ረድኤት ነቲ ዞባ ሂባ'ያ። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝገለፀቶ 105- ሚልዮን ዶላር ይሕውስ።

ሚኒስተር ወፃኢ አሜሪካ ሂለሪ ክሊንተን ሎሚ ኣብ ዋሽንግተን ከምዝበለኦ እቲ ኣብ ቀርኒ አፍሪቃ ዘሎ ኩነታት አብዚ እዋን ኣብ ዓለም እቲ ኣዝዩ ፅንኩር ሰብአዊ ኩነታት'ዩ ኢለን።

ብኻልእ ዜና ሕቡራት መንግስታት ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ እቲ ኣብ ሶማል ዘሎ ኩነታት ጥምየት ገና ክገድድ'ዩ ክብል አጠንቂቁ።

ኣብ ሶማል ጥምየት ንምቅላል ብዙሕ ፃዕሪ እንተተገብረ'ካ በብመዓልቱ ሓደ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእቲን ሶማልያውያን ናብ ኬንያ ይውሕዙ'ለው ኢሉ።

ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምፂ ጠውቁ።

XS
SM
MD
LG