ንሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝፅዕር ተበግሶ ስርሑ ጀሚሩ;
60 ዝአኽሉ ምሁራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ አትላንታ ኣሜሪካ ን 3- መዓልታት ተአኪቦም ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ህይወት ኣማእት ኣሽሓት ንዘጥፈአ ለበዳ ጎንፅን ረመፅን ንኸብቕዕ ንምግባርን ኣብ ክንድኡ ሰላምን ምርድዳእን ዝመፀሉ መንገዲ ንምንዳይ ሓደ ምንቕስቃስ ንምጅማር ተመያይጦም ክብሉ ሓደ ካብ አትሓባበርቲ ኣኼባ ዝኾኑ ዶ/ር ጋይም ክብርአብ ገሊፆም ።
እቶም ካብ ጁቡቲ ኤርትራ ኢትዮጵያ ሶማልን ሱዳንን ዝኾኑ ሙሁራት፣መራሕቲ ማሕበረሰባት፣ ተሓለቕቲ ሰላም፣ (HOPE) ማለት Horn of African Peace Engagement፣ ፅምዶ ንሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝብል ምንቅስቃስ ‘make peace possible’ ማለት ንሰላም ኽውን ንግበሮ ብዝብል ቴማ ወፍሪ ንምግባር ተሰማሚዖም ክብሉ ዶ/ር ጋይም ክብርአብ ተዛሪቦም።