ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ሆንግ-ኮንግ 6,400 ዜጋታት ኣሲሩ


ኣባላት ፖሊስ ሆንግ ኮንግ ኣብ ቐይዲ ዝኣተወ ዘይሕጋዊ ኣቑሑት ኣብ ዘእይሉ እዋን ዝተወስደ
ኣባላት ፖሊስ ሆንግ ኮንግ ኣብ ቐይዲ ዝኣተወ ዘይሕጋዊ ኣቑሑት ኣብ ዘእይሉ እዋን ዝተወስደ

ፖሊስ ሆንግ-ኮንግ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ወርሒ ክትትል፡ ሎሚ ረቡዕ 6,400 ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ንግዲ ተዋፊሮም ዝበሎም ዜጋታት ኣብ ቀይዲ ምውዓሉ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጸብጺቡ። በቲ ናይ ሎሚ ስርሒት ብሚልዮናት ዝቑጸር ዶላራት ክርከብ እንከሎ፡ ካብቶም ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ዘለዉ ቆልዑ’ውን ከም ዝርከቡዎም እቲ ዜና ወሲኹ ይርከብ።

ኣብቲ ስርሒት ልዕሊ 83-ሽሕ ኣባላት ሓይሊ ፖሊስ ምውፋሮም ተፈሊጡ ኣሎ።

እዞም ካብ መፋርቕ ወርሒ ሰነ ኣትሒዞም ኣብ ክትትል ፖሊስ ዝጸንሑ ትካላት፡ ፍቓድ ዘይብለን ባራት፡ ኣብ ሓረጣ ተዋፊሮን ዝጸንሑ ዜጋታት፡ ማእከላት ቁማር፡ ካልኦትን ከም ዝዀኑ ፖሊስ ኣመልኪቱ። ኣብዚ ስርሒት ተኣሲሮም ዘለዉ ካብ ደቂ 10 ዓመት ክሳብ 85 ዓመት ዝዕድሚኦም ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

በቲ ስርሒት ሃድን ሚልዮናት ጥረ-ገንዘብ፡ ኣጽዋርን ሓሽሽን ምምራኹ ፖሊስ ሓቢሩ። ፖሊስ ሆንግ-ኮንግ ነቲ ሰፊሕ ሱር ሰደድ ዝበሎ ሰንሰለታዊ ዘይሕጋዊ ንግዲ ንምምሓው ክሳብ ውሽጢ ቻይና ኣትዩ ኣብቲ ስራሕ ዝተዋፈሩ ክሃድን ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG