ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተዋሳእቲ ኢንዳስትሪ ፊልም ኣመሪካ ብጸሓፍቲ ዝካየድ ኣድማ ብምሕባር ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ኣካይዶም


ኣባላት ማሕበራት ተዋሳእትን ፀሓፍትን ሳግ-ኣፍትራን (SAG-AFTRA)ማሕበር ፀሓፍቲ ኣመሪካን መራሕቶምን ትማሊ ሓሙስ ሙሉእ ብሙሉእ ድሕሪ ምስምመዖም ሎሚ ዓርቢ ሰልፊ ተቓውሞ ከካይዱ እዮም።

ንመሃያታቶምን ዝምልከትን ስራሕቶም ክትክእ እዩ ብዛዕባ ዝበሃል ዘሎ ኣርቴፍሻላዊ ብልሒን ካብቶም ዘልዕልዎም ጉዳያት ኮይኖም ኣለዉ።

እዚ ብተዋሳእቲ ፊልሚን ቴሌቪዥን ዝካየድ ዘሎ ሰልፊ ተቃውሞ ካብ 1980 ንደሓር ንፈለማ እዋን ምዃኑ እዩ። ከምኡ'ውን ክልተ ዓበይቲ ማሕበራት ሆሊውድ ብሓባር ተቃውሞ ከካይዱ ካብቲ ፕሬዝዳንት ሮናልድ ሬገን ፕሬዝዳንት ማሕበር ተዋሳእቲ ዝደኾንሉ 1960 ንደሓር እውን እዚ ንፈለማ እዋን እዩ።

ሳግ፡ኣፍትራ ንልዕሊ 160-ሽሕ ተዋሳእቲ፣ጋዜጠኛታት፣ ኣሰናዳእቲ መደባትን ካልኦትን ክውክል ከሎ WGA ድማ ውዕሎም ኣብ 2 ግንቦት ካብ ዝፈርስን ዘተኦም ካብ ዝቋረፅን ጀሚሩ ኣድማ ከካይድ ፀኒሑ እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG