ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕውት መድሓኒ ኤችኣይቪ ካብ ዝጅምር 25 ዓመት ኮይኑዎ


ቅድሚ 25 ዓመት ኣብዚ ወርሒ ሰነ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ንHIV/AIDS ዝኸውን መድሓኒት ፈለማይ ዕዉት ፈተነ ዝጀመረሉ ወሳኒ እዋን ነይሩ።እቲ ፈተነ ማእለያ ዘይብሉ ህይወት ዘድሓነን ሎሚ እውን ንምስፍሕፋሕ እቲ ቫይረስ ዝከላኸል ዘሎን መድሓኒት እዩ።ወኪል ቪኦኤ ካሮሊን ፕረሱቲ ለበዳ ኤዲስ መን ኢኻ በሃሊ ኣብዘይነብረሉን ብቕልጡፍ ይባርዐሉ ኣብ ዝነብረሉ እዋን ምስ ዝነበረን መድሓኒት እንተዘይጥቀም ነይሩ ሎሚ ብህይወት ክነብር ምስ ዘይኽልን ሰብ ከተላልየና እያ።

ነርሲ HIV ኣለካ ኢላ ክትነግሮ ከላ ኬቨን ሊ ተይለር ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ነይሩ።

‘’ትኩር ኢለ እናራኹዋ፤ኣይሰማዕኹክን።እንታይ ኣለካ በልኪ? ኢለያ።ትቕብል ኣቢላ HIV ትፈልጥ ኢኻ ሓቀይ? ኢላትኒ።ኣይፈልጥን ኢለያ፣እንታይ ምዃኑ ኣይፈልጥን፤ HIV ዝብሃል ሰሚዐ ኣይፈልጥን ኢለያ’’ክብል ይዝክሮ። ፤

ዶክተር ናብቲ ዝነበረሉ ክፍሊ ኣቲዩ ‘’ጉዳያትካ ብስርዓትሓዝ ኢኻ።ምኽኒያቱ ምድሕን ኣይክኣልን፣ሕክምና የብሉን፤ዋላ ሓደ ነገብሮ ነገር የለን ኢሉኒ’’ ይብል ቴይለር።

ብስንባደ ደንዚዙ ሪችሞንድ ቨርጂኒያ ናብ ዝርከብ ገዝኡ ኣምርሐ።

እዋኑ 1985 ኣ\ፈ ነይሩ።ብዙሓት እቲ ቫይረስ ዘለዎም ሰባት ይግለሉ ነይሮም።

ቴይለር ኣብታ ዝፈለጠላ ዕለት ምሸት ደም ምስተለገሰሉ AIDSዝሓዞ ተምሃራይ ሪያን ዋይት ኣብ ክፍሊ ብምስታፉ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ኢንዲያና ተቓውሞ ምልዓሉ ዜና ከምዝርኣየ ይገልፅ።

‘’ትፈልጢ ዲኺ ኣነ ንባዕለይ ሓሲበ።ንወዲ ትሽዓተ ዓመት ፃዕዳ ከምዚ እንተገይሮም ንዓይ ከመይ ምበሉ? ክትግምትዮ ትኽእሊ ኢኺ’’ ይብል።

ብርክብ ተመሳሳሊ ፆታ ዝኣምን ወይ Gay ቴይለር ምልክት ናይቲ ቫይረስ ከይተርኣዮ ንዓመታት ነፃ ኮኑ ድሕሪ ምንባር ኣብ ሓደ እዋን ናይ ሰውነቱ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ብምድኻሙ ከምዝሓመመ ይገልፅ።

ኣብቲ እዋን መድሓኒት ኣይንበረን፤ክሳብ 1995 ኣ\ፈ ኣብዘሎ እዋን ልዕሊ 300,000 ኣሜሪካዊያን ብሰንኪ እቲ ሕማም ህይወቶም ሲኖም። ‘’ሽዑ ንGay ይቐትል ነይሩ፤ብዛዕብኦም ዝግደስ ግን ኣይ ኣይነብረን’’ ይብል።

ንዓመታት ከም ACT UP ዝኣመሰሉ ተሓለቕቲ ጉጅለታት ንHIV/AIDS ዝውዕል ተወሳኺ ፈንድ ብምሕታት ድምፆም የስምዑ ነይሮ።መስራቲ ACT UP ላሪ ክራመር ቅድሚ ምማቱ ምስ ቪኦኤ ኣብዘካየዶ ቃለ ምልልስ ናይ ኤዲስ ማሕበረሰብ ርኣይን ሰማዒን ዘይብሎም ከምዝተገደፉ ከምዚ ኢሉ ነይሩ።

‘’በዚ ንኩሉ ሰብ ይቐትል ዘሎ ምስጥራዊ ቫይረስ ንጠፍእ ከምዘለና ንዓለም ደወል መጠንቀቕታ ነስምዕ ዝነበርና ብናይ ባዕልና ተበግሶ እዩ’’በለ።

ስቕታ ማዕረ ሞት እዩ ዝብል ጭርሖ ዘለዎ ናይ ክራመር ጉጅለ 11 ጥቅምቲ ጥቅምቲ 1988 ኣ\ፈ ሓዱሽ መድሓኒት ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ፍቃድ ንዝህብ ምምሕዳር ምግብን መድሓኒትን ዩናይትድ ስተትስ FDA ወሪሮም።

ኣብቲ እዋን ኣብቲ መንግስታዊ ቤት ፅሕፈት ዝሰርሕ ዝነበረ ሪቻርድ ክሌይን እቲ ኣጋጣሚ ነቲ መንግስታዊ መሓውር ናይ መፀዋዕታ ደወል ነይሩ፤ምኽኒያቱ ነቲ ቤት ፅሕፈት ክዕፆ ኣገዲዶምዎ ይብል።

ቀስ እናበለ ለውጢ ምምፃእ ጀሚሩ።HIV ቆላሕታ ክረክብ ዝንቀሳቐሱ ተሓልቕቲ ኣብ ናይ FDA ኣማኸርቲ ኮሚቴታት ክሳተፉ ጀሚሮም።

ብመንግስቲ ዝመወሉ ምርምራት ናይ ምድሓን ዕድል ሓፍ ኣብዘብሉ ስራሕቲ ትኹረት ገይሮም ይንቀሳቐሱ ነይሮም።

ኣብ ሰነ 1995 ኣ\ፈ FDA ዝተፈላለዩ መድሓኒታት ብምትሕውዋስ ነቲ ሕማም ዝኸውን መድሓኒት ፈላማይ መፅናዕቲ ክካየድ ፈቒዱ።ብፍጥነት ፅሓይ ብርሃን ኣብ ታሕሳስብ 1995 ኣ\ፈ ናይ መጀመሪያ ውፅኢታዊ መድሓኒት ኮይኑ ብመንገስቲ ፀዲቑ።ዶ\ር ኣንቶኒ ፋውቺ ዩናይትድ ስቴትስ ንኤችአይቪ ንምውጋእ ንእተካይዶ ፃዕርታት ንዓሰርተታት ዓመታት ክመርሑ ፀኒሖም።

ኣብ ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ኣለርጅን ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ዳይረክተር ዶ\ር ኣንቲኒ ፋውቺ ‘’ፀረ HIV ኣዚዩ ዕውት ዝኾነ መድሓኒት ንፈላማ ግዜ ዝረኸብናሉ እዋን ስለዝነበረ ብHIV ናይ ዝልከፉ ሰባት ህይወት ኣዚዩ ተመሓይሹ’’ ይብሉ።

ሳላ እቲ መድሓኒት ሎሚ ብህይወት ካብ ዘለው 57 ዓመት ዝዕድሚኡ ቴይለር ሓደ እዩ።ሎሚ እውን ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ብህይወት ክፀንሕ ዝሓገዞ መድሓኒ ኣብ ምውሳድ ይርከብ።

ኣብ ሕዚ እዋን ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ኣብ ዙሪያ ዓለም ድማ ልዕሊ 37 ሚሊዮን ሰባት ምስ HIV ሓቢሮም ይነብሩ ኣለው።

XS
SM
MD
LG