ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ልዕሊ ዝርጋሐን ቁፅፅርን HIV/AIDS ዝዘተየ መደብ


HIV AIDS
HIV AIDS
HIV/AIDS ኣብ 1981 ኣ/ፈ ኣብ ዓለም ካብ ዝኽሰት ከቢድ ጉድኣት ከምዘብፅሐን ኣብ 2011 ኣ/ፈ ብዝተኻየደ መፅናዕቲ ድማ ልዕሊ 25 ሚሊዮን ሰባት በቲ ሕማም ከምዝሞቱ ዶ/ር ዳውድ ሰይድ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኢስት ካሮላይና ዝርከብ ኽፍሊ ሕክምና ፕሮፌሰር ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ሓላፊ ስልጠናን ገሊፆም።

17.3 ሚሊዮን ዝግመቱ ህፃውንቲ ሓደ ካብ ወለዶም ወይ ክልቲኦም ወለዶም ዝስኣኑ ከምኡ’ውን ኣብዚ እዋን እዚ ክሳብ 34 ሚሊዮን ዝግመቱ ሰባት ምስቲ ቫይረስ ይነብሩ ከምዘለው ነቲ መፅናዕቲ ብምጥቓስ ሓቢሮም።

ኣብ ሁስተን ቴክሳስ ስፔሻሊስት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝኾኑ ዶ/ር ሰለሞን ገብረድንግል ብውገኖም እቲ ሕማም ብበዝሒ ዝርኣየሉ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ስሃራ ኣፍሪካ ከምዝኾነን ካብቶም 34 ሚሊዮን ምስቲ ቫይረስ ዝነብሩ ሰባት 66 ሚእታዊ ወይድማ 22 ሚሊዮን ሰባት ኣብዚ ዞባ እዚ ከምዝርከቡን ሓቢሮም።
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:10:35 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG