ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ለበዳ ኤድስ ኣብ ዓለም ካብ ዝርአ ሰንበት 30-ዓመቱ


Bango la kuhamasisha kupambana na ukimwi
Bango la kuhamasisha kupambana na ukimwi

ኣብዚ እዋን'ዚ ንለበዳ ኤድስ ዝምክት ፀረ'ቲ ለበዳ መድሃኒታት ብምርካቡ ሰባት ብብዝሒ አይሞቱን ዘለው።

እንተኾነ ነቶም ምስቲ ቫይረስ ዝነብሩ ሰባት ንሕክምንኦምን ንመድሃኒቶምን ዝወፅእ ገንዘብ ኣዝዩ ይበዝሕ ብምህላው የዘራርብ'ሎ።ኤድስ ኣብ ዓለም ካብ ዝፍለጥ ዝመፅእ ሰንበት 30-ዓመታት ክኾኖ'ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ለበዳ ተፈሊጡ ክስርሓሉ ካብ ዝጅምር 20-ዓመታት ከምዝኾኖ ዝገለፁ አቶ ይርጋ ገብረእግዚአብሄር ሓላፊ ኦሳ ፡ዘይመንግስታዊ ትካል ኤድስ ምክልኻልን ማሕበራዊ ግልጋሎታትን 'ዮም።

አቶ ይርጋ ኣብ መዳይ ምብርባርን ምክልኻልን ኤድስ ብዙሕ ዓወት ከምዝተረኽበ ገሊፆም፡ ብፍላይ ቁፅሪ ብፍቃዶም ዝምርመሩ ሰባት ካብቲ ቅድሚ 3-4 ዓመታት ዝነበሮ 20-ሽሕ ንዓመት ናብ 100-ሽሕ ከምዝበፅሐ ተዛሪቦም።

ኣብ ኤርትራ እቲ ለበዳ ከምዝነከየ ዝተዛረበ ካብ ማሕበር ብድሆ ኣቶ ሰሎሞን ገብረኺዳን ብወገኑ እዚ ውፂኢት ፃዕሪ መንግስቲን ሕብረተሰብን 'ዩ ኢሉ።

XS
SM
MD
LG