ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ሂፕ ሃፕ ኣርቲስት ሱዚ ኣብርሃ ንሳዋ ትነቅል ኣላ


HIP HOP ተባሂሉ ዝፍለጥ ህርመት ሙዚቃ ትጻወት ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ሱዚ ኣብርሃ: ኣብቲ ዝመጽእ ሓምለ ኣብ ሳዋ ዝካየድ ፈስቲቫል መንእሰያት :ንክትደርፍ ተበጊሳ ኸምዘላ ትገልጽ

HIP HOP ተባሂሉ ዝፍለጥ ህርመት ሙዚቃ ትጻወት ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ሱዚ ኣብርሃ: ቅጽል ሽማ Queen Nefertiti ፡ ኣብቲ ዝመጽእ ሓምለ ኣብ ሳዋ ዝካየድ ፈስቲቫል መንእሰያት :ንክትደርፍ ተበጊሳ ኸምዘላ ትገልጽ። ኣብ ሱዳን ተወሊዳ ድሕሪ 25 መዓልታት ምስ ስድራ ቤታ ናብ U.S ዝመጸት ሱዚ፡ ምስ ስድራቤታ ብሳላ ዘለዋ ጥቡቕ ርክብ መበቆላን ቋንቋኣን ክትርስዕ ኸምዘይከኣለት ሓቢራ። ብዛዕባ ካልኣይ ቋንቋ ዘለዎ ረብሓ ክትመክር ከላ፡ “ ብዙሓት ናእሽቱ ኸለዉ ብትግርኛ ምዝራብ ዘሕፍሮም ዝነበሩ ቆልዑት፡ ምስ ጎበዙ ብዙሕ`ዮም ዝጠዓሱ” ትብል።

Queen Nefi፡ ኣብቲ ምስ ተወልደ ወልደገብሬል ዝገበረቶ ቃለመጠይቕ፡ ምስ ካልኦት ከም Eriam Sistersን Sandman Nigusን ዝበሉ መንእሰያት ንኤርትራ ተበጊሳ ኸምዘላ ሓቢራ`ላ።

ንምሉእ ትሕዝቶ`ቲ ቃለመጠይቕ ንምስማዕ ኣብቲ ምልክት ድምጺ ጠውቑ

XS
SM
MD
LG