ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሂልተን ብ42 ሚሊዮን ዶላር ኣብ ከተማ ሃዋሳ ሆቴል ከምዝሃንጽ ኣፍሊጡ


ኣብ ወሰን ባሕሪ ሃዋሳ ዝህነጽ ሂልተን ሃዋሳ ሪዞርት ኣብ 30 ሽሕ ትርብዒት ሜትሮ ዝዝርጋሕ ኮይኑ 42 ሚሊዮን ዶላር ወይ 875 ሚሊዮንን 700 ሽሕን ብር ከምዝውድእን 169 ክፍልታትን ቪላታትን ከምዝሕዝን ተሓቢሩ’ሎ።

አብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሂልተን ሆቴል ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝተፈጸመ ስነስርዓት ፊርማ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ሂልተን-ዓለምለኸ ፓትሪክ ፊልስጊበን ናይዚ ሆቴል ህንጸት ሓደ ዓብዪ ምዕራፍ እዩ ኢሎምዎ።

‘’ዓለምለኸ ሸቶና ንኹሎም ናይ ዓለም ተጎዓዝቲ ናይ መጀምሪያ ምርጫ ምዃን እዩ’’ ዝበሉ ንሶም ብምስዓብ ‘’ናይ መጀመሪያ ምርጫ ንምዃን ድማ እዞም ተጎዓዝቲ ናብ ዝገሽሎም ቦታታት ሆቴላት ክህልው ከለው እዩ’’ኢሎም።

ነቲ ህንጻ ዝሰርሖ ሰንሻይን ቢዝነስ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ናይ ውልቂ ኩባኒያ እዩ።ናይቲ ትካል ፕሬዝዳንት ዝኾኑ ኣቶ ሳሙኤል ታፈሰ ምስዚ ውሩይ ተቋም ምስርሖም ዝተሰምዖም ሓጎስ ብምግላጽ ነቲ ስራሕ ብዝለዓለ ብቕዓት ከምዝፍጽምዎ ገሊጾም ኣለው።

ኣብዚኣ'ሞ

ዚምባብወ ድሕሪ ሙጋበ ሕጂውን በቲ ገዛኢ ሰልፊ ምሕደርኣ ክቕጽል'ዩ። እዚ ኣብ'ታ ሃገር ዝተራእየ ለውጢ እምበኣር

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG