ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሄላሪ ክሊንተን ሕጽይቲ ሰልፊ ደሞክራት ኮይነን ብዕሊ ተመሪጸን


ዋዕላ ደሞክራት ንሄላሪ ክሊንተን ሕጽይቲ ሰልፊ ደሞክራት ኮይነን ኣብ ሓፈሻዊ ምርጫ ክወዳደራ መሪጽወን።

ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ መዓልቲ ዋዕላ ደሞክራት:ዋዕለኛ ንሂላሪ ክሊንተን ሕጽይቱ ኮይንነ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ፕረዚደንት ኣመሪካ ክወዳደራዩ ረቑሑወን።

ዋዕለኛታት ንድምጺ ተወከልቲ ኩለን ክፍላተ ግዝኣት ኣመሪካ ብኣላይነት ጸሓፊት ዋዕላ ደሞክራትን ከንቲባ ከተማ ባልቲሞርን ዝኾና ስተፋኒ ረውሊንግስ ብለክ ድሕሪ ምቑጻር: ሄላሪ ክሊንተን ንሰልፊ ደሞክራት መሪሐን ኣብ ሓፈሻዊ ምርጫ ክቐርባ መሪጽወን።

በዚ ድማ ሄላሪ ክሊንተን ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ናይ ፈለማ ጓል ኣንስተይቲ ንሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኣመሪካ መሪሐን ኣብ ሓፈሻዊ ምርጫ ፕረዚደንት ዝቐርባ ዘለዋ ኮይነን ኣለዋ።

ሂላር ክሊተን ቅድሚ ሾሞንተ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ ምርጫ ብፕረዚደንት ኣመሪካ ባራክ ኦባማ ተሳዒረን ሕጹይነት ሰልፊ ደሞክራት ከምዘይረኸባ ይዝከር።

እዚ ናይ ሕጂ ፍሉይ ዝገብሮ ግን ሄላሪ ክሊንተን ካብ ተቐናቓኒአን ኣባል ሰልፊ ደሞክራት ሰነተር በርኒ ሳንደርስ ዘጋጠመን ሓያል ብድሆ ምርጫ ጥራይ ዘይኮነ: ካብ ግዳም ኣብ ጉዳይ ዝተፈላለየ ናይ ስራሕ ውሳነታተን ኣቶኪሩ ግዳይ መርመራን ምስክርነትን ገይሩ ዝሓላለኾ ብምንባሩዩ።

ሄላሪ ክሊንተን ኣብ ዝቕጽል ሓፈሻዊ ምርጫ ፕረዚደንት ምስ ሕጹይ ሰልፊ ሪፖብሊካውያን ዶናልድ ትራምፕ ክገጥማየን። ኣብቲ ምርጫ እንተተዓዊተን ኣመሪካ ኣብ ታሪኻ ንፕረዚደንትነተ ዝመረጸተን ናይ ፈለማ ጓለስንተይቲ ብምዃን ዳግማይ ታሪኽ ክሰርሓ ተኽእሎ ኣሎ።

ሓጺር ቃል ዮሃና ሄላሪ ክሊንተን
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:43 0:00

XS
SM
MD
LG