ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተዛረባ ምንስቲር ወፃኢ ኣሜሪካ ሂለርይ ክልንተን ኣፍሪቃ ንመዓሙር ገዳፊ ይኣክል ክትብል ፀዊዔን


Hillary Clinton
Hillary Clinton

ንመራሕቲ ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፡ዝጸንሐ ናይ ኣገዛዝኣ ስርዓት ድሕሪ ደጊም ተቐባልነት የብሉን፡ ድሕሪ ሎሚ መራሕቲ ኩሎም ብተሓታትነት ክመርሑ ኣለዎም፡ ንህዝብታቶም ብኽብሪ ክሕዙን፡ መሰላቶም ከኽብሩን ኣለዎም፡ ዕድላት ኤኮኖሚ ክፈጥሩ ኣለዎም፡ ከምኡ ዘይገብሩ እንተኾይኖም ግን ክለቁ ኣለዎም ኢለን

ሃገራት ኣፍሪቃ፣ምስ መራሒ ሊብያ መዓሙር ገዳፊ ዝፀንሖም ርክብ ኣቋሪፆም ምስ ተቃወምቶም ንክተሓባበሩ ምንስቲር ወፃኢ ኣሜሪካ ሂለርይ ክልንተን ፀዊዔን።

ወ/ሮ ሂለርይ ክልንተን፣ነዚ ፃውዒት ዘቅረባ ኣብ‘ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ቀንዲ ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘስመዐኦ መደረ’ዩ።

መዓሙር ገዳፊ ንሕብረት ኣፍሪቃ ይልግስዎ ንዝነበረ ገንዘባዊ ደገፍ ኣፍልጦ ዝሃባ እተን ምንስትር ወፃኢ፣እቶም መራሒ ሊብያ ኣብ ስልጣን ንምፅናሕ ዘኽእሎም ሕጋውነት ኣብቂዑ‘ዩ ኢለን።

”ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ፣ንሓቀኛ ምቁራፅ ተፃብኦ ክብገሳን፣ገዳፊ ይኣኽለካ ክብላን ይፅውዕ።ኣብ ሃገርኩም ንዘሎ ስራሕቲ ኤምባሲታት መዓሙር ገዳፊ ንክዓፅዋን ንኣምባሳደራቱ ከባብርሩን የዘኻኽር።ካብኡ ሓሊፎም ድማ ንልኡኻት ቤት ምኽሪ ሊብያ ክቅበሉ ይምሕፀን።ቃልኩምን ተግባርኩምን፣ነዚ ምዕራፍ ኣብ ምዕፃው ኣበርክቶ ክህልዎ‘ዩ” በላ ሂለርይ ክልንተን።

ምስ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ሎሚ ዝተዘራረባ እተን ምንስትር ወፃኢ፣ምስ መራሒ ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ክየርን ምክትል ፕረዚደንት ዓሊ ኦስማን ጣሃ ክራኸባ መደብ ነይሩወን።

ንመራሕቲ ኣፍሪካ ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፡"ዝጸንሐ ናይ ኣገዛዝኣ ስርዓት ድሕሪ ደጊም ተቐባልነት የብሉን፡ ድሕሪ ሎሚ መራሕቲ ኩሎም ብተሓታትነት ክመርሑ ኣለዎም፡ ንህዝብታቶም ብኽብሪ ክሕዙን፡ መሰላቶም ከኽብሩን ኣለዎም፡ ዕድላት ኤኮኖሚ ክፈጥሩ ኣለዎም፡ ከምኡ ዘይገብሩ እንተኾይኖም ግን ክለቁ ኣለዎም" ኢለን

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ ሂለርይ ክልንተን፣ኣብ ኢትዮዽያ ክሳብ ፅባሕ ሰሉስ ፀኒሔን ንዝተፈላለዩ ብዩ-ስ ዝድገፉ መደባት ክዕዘባን ምስ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ጋዜጣዊ መግለፂ ክህባን ትፅቢት ነይሩ።

እንተኾነ ብጠንቂ‘ቲ ኣብ ኤርትራ ዝነተጎ እሳተ-ጎመራ ናብ ሰማይ ዝፈነዎ ዶረና፣መገሸአን ሎሚ ምሸት ኣቋሪፀን ካብ ኢትዮዽያ ከምዝተበገሳ ደንጉዩ ዝመፀና ዜና ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG