ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሄላሪ ክሊንተን ሕጹይነት ሰልፊ ደሞክራት ተቐቢለን: " ኣመሪካውያን ብሓባር ኮይና ኢና ንሕይል" ድማ ኢለን


ሄላሪ ሮድሃም ክሊንተን ናይ ፈለማ ጓለንስተይቲ ንሓደ ዝዓበየ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኣመሪካ መሪሐን ኣብ ሓፈሻዊ ምርጫ ፕረዚደንት ኣመሪካ ክቐርባ ንዝተረቑሐኦ ሕጹይነት ሰልፊ ደሞክራት ተቐቢለንኦ።

እዘን 68 ዝዕድመአን በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ቢል ክሊንተን: ድሕሪ ናይ ሽዱስተ ወርሕን ሾሞንተ መዓልትን ጉዕዞ: ኣብ ዋዕላ ሰልፊ ደሞክራት ነቲ ሕጹይነተን ተቐቢለን ኣብ ዘስምዐኦ መደረ: " ኣመሪካውያን ብሓባር ኮይና ኢና ንሕይል" ክብላ ብተደጋጋሚ ኣተሓሳሲበን።

ንሰን: መቐናቕንተን ሕጹይ ሰልፊ ሪፖብሊካውያን ዶናልድ ትራምፕ: ኣብ ቅድሚ ኣመሪካውያን ፍርሂ ብምዝራእ: "ኣመሪካ ከምእንደገና ዓባይ ንግበራ " ንዝብል ጭርሖኦም ብትሪ ነቒፈን። "ንመጻኢ ክንፈርሖን ንሓድሕድና ክንፈራራሕን ይደልየናሎ" ክብላ ድማ ንዋዕለኛታት ኣሰሚዐን።

ድሕሪ 84 ዓመታት ንድሕሪቲ ተመሊሰን: ንኣዝያ ህብብቲ ጥቕሲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ፍራንክሊን ሩዝቨልት "እታ እንኮ ክንፈርሓ ዝግብኣና ንባዕላ ፍርሒያ" ትብል ጥቕሲ ንዋዕለኛታት ብምጥቃስ: መቐናቕንተን ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካውያን ፍርሂ ብምዝራእ: ኣብቲ ዝቕጽል 102 መዓልታት ጥራይ ተሪፍዎ ዘሎ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ክዕወቱ ይፍትኑ ምህላዎም ነቒፈን።

ሄላሪ ክሊንተን ኣብ መደረአን፤ ኣብ ዋዕላ ሪፖብሊካውያን " ንሽግር ኣመሪካ ኣነ ጥራየ ክፈትሖ ዝኽእል" ንዝበሉ ዶናልድ ትራምፕ ቃል ብቓል ብምጥቃስ፥ " እቶም ስራዊትናኸ? እቶም ኣባላት ፖሊስ ከ? እቶም ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ኸ? ሓካይምና: ኣለይቲ ሕሙማትና: መማህራና: ኣውፈርትና: ምእንቲ ውሕስነትና ደቀን ዘሰውኣ ኣደታትና ኸ ናበይ ምስከዱዮም " ክብላ ከቢድ ወቐሳ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ኣቕሪበን።

ንሰን፤ ዶናልድ ትራምፕንዝመባጽዕዎ ዘለው መብጽዓ ከሰኒ ዝኽእል ዛጊት ዝኾነ ጭቡጥ መረዳእታ ኣየቕረቡን ድማ ኢለን።

ኣብቲ ኣርእስቲ ድሕሪ ኣርእስቲ ጉዳይ ድሕሪ ጉዳይ እናልዓላ ዘቕረብኦ ዝርዝራዊ ሓበሬታ: ሄላሪ ክሊንተን ኣብ ከም ማሕበራዊ ውሕስነት፥ ማዕረ ክፍሊት ደቂኣንስትዮን ደቂተባዕትዮን ሸቃሎ ምቅላል ዕዳ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ዝኣመሰሉ ኣከራኸርቲ ጉዳያት ዘለወን ኣማራጺ መፍትሒ ብምቕራብ ካልኦት ኣብ ደንበአን ክጽንበሩ ጸዊዐን።

ሄላሪ ክሊንተን: ንቐንዲ ተቐናቓኒአን ካብ ሰልፊ ደሞክራት ዝነበረ በርኒ ሳንደርስን ደገፍቱን ኣብ ዝምልከት " ኣብ ቁጠባን ማሕበራዊ ፍትሕን ንዘቐመጥኩሞ ጉዳያት ሰሚዐዮ ኣለኹ" ኢለን። " ጉዳይኩም ጉዳይና'ዩ " ድማ ኢለን። ኣብ ትግባረኡ ተጊሀን ከምዝሰርሓ ብተወሳኺ ገሊጸን።

ፕረዚደንት ኮይነን እንተተመሪጸን: ሄላሪ ክሊንተን: ኣብ ቀዳሞት 100 መዓልታት ናይ ስራሕ ግዜአን ብዛዕባ ክዓምኦ ዝወጠና ጉዳያትውን ብተወሳኺ ንዋዕለኛታት ኣፍሊጠን።

XS
SM
MD
LG