ሂላሪ ክሊንተን ዕድመ ፓርቲኤን ብምቅባል፣ ኣብ ፖለቲካ ኣሜሪካ፣ ሓደ ጸላዊ ፓርቲ ዘቅረበን ፈላመይቲ ሕጽይቲ ጓልኣንስተይቲ ኮይነን።
ኣብ’ቲ ኣብ ፍላደልፍያ ፔንስልቫንያ ዝተሳለጠ ዋዕላ ፓርቲ ዴሞክራሲያዊያን፣ ሕጽይቲ ንፕረዚደንትነት ተቀቢለ’ለኹ ኣብ ዝበላሉ መደረ፣ ቁጠባ ኣሜሪካ ንክዓቢ ክሰርሕ’የ ኢለን።
‘ፕረዚደንት ኮይነ ቀንዲ ትኹረት ዝገብረሉ፣ ሓየልቲ ዕድላት ምፍጣር፣ ተወሳኺ ዕድላት ስራሕ ምፍጣር፣ ማሃያ ሰራሕተኛታት ኣሜሪካ ንክውስኽ ምስራሕ ክኸውን’ዩ’።
ሂላሪ ክሊንተን ብዛዕባ ኣሜሪካ ብሩህ ኣረኣእያ ከምዘለወን’የን ኣብ ዘረበአን ገሊጸን። መጻርርተን ዶናልድ ትራምፕ ግና ዝጸልመተ ኣረኣእያ ከምዘለዎም’ዮም ኣብ’ቲ ናይ ዝሓለፈ ቅነ ዋዕላ ሓቢሮም።
ሕጹይ ሪፐብሊካዊያን ዶናልድ ትራምፕን ሂላሪ ክሊንተን ዝመጽእ ሕዳር ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክወዳደሩ’ዮም። ሓዲኦም መበል 45 ፕረዚደንት ኣሜሪካ ክኾኑ’ዮም።
70 ዓመት ዝዕድሚኦም ዶናልድ ትራምፕ፣ ናብ ኣሜሪካ ንዝኣትው አመንቲ እስልምና ጊዚያዊ እገዳ ክንበር ኣለዎ፣ ኣብ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን መንደቅ ክሃንጽን ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ናብ ኣሜሪካ ንከይኣትው ክሰርሕን’የ ከምዝበሉ ዝዝከር’ዩ።