ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንታዊ ሕፅይቲ ሂለሪ ክሊንተን ንስርዓተ ኣጠቃቅማ ኢሜይል ጥሒሰን ተባሂለን


ፕረዚደንታዊ ሕፅይቲ ሂለሪ ክሊንተን
ፕረዚደንታዊ ሕፅይቲ ሂለሪ ክሊንተን

ሂላሪ ክሊንተንን ካልኦት ሚኒስቲራት ወፃኢ ነበርን፣ ንስርዓተ ኣጠቃቅማ ኢሜይል ኣብ ግብሪ ኣየውዓሉን ናብ ዝብል መደምደምታ ምብፅሑ ጉጅለ ምርመራ ኦዲት ቤት ዕዮ ኣፍሊጡ።

ሂላሪ ክሊንተን፣ ብናይ ውልቂ ኢሜይለን ንመንግስታዊ ስራሕ ምጥቃመን ግቡእ ኣይነበረን ይብል እቲ 78 ገፃት ዝሓዘ ሪፖርት።

እቲ ተግባር ወ/ሮ ክሊንተን ሚኒስትር ወፃኢ ካብ ዝነበራሉ ጊዜ ከምዝጀመረን፣ እንተኾነ እቲ ርኡይ ግህሰት፣ መንግስታዊ ስራሕተን ብውልቀ ኢሜይለን ምጥቃመን’ዩ እቲ ክጥቀስ ዘለዎ ይብል እቲ ሪፖርት።

እቲ ሪፖርት፣ ክሳብ ሎሚ ኣብ ሓላፍነት ንዝነበሩ 5 ሚኒስትራት ወፃኢ’ውን ኣጠቃሊሉ’ሎ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፣ ስራሕ ወ/ሮ ክሊንተን፣ ንመንግስታዊ ሚስጢራት’ዶ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቁ? ንዝብል ሕቶ ዝምልስ ስራሕ ብፌደራላዊ ቢሮ መርመራ FBI ይቅፅል’ሎ።

XS
SM
MD
LG