ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሄላሪ ክሊንተን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እናሃለዋ ናይ ውልቂ ናይ ኢሜይል ሰርቨር ምጥቓመን ብገበናት ክኽሰሳ ኣድላይ ኣይኮነን ይብል ኤፍ ቢ ኣይ (FBI)


ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፌደራል ቢሮ ምርመራ /FBI/ ሂላሪ ክልንቴን ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ እናሃለዋ ናይ ውልቂ ናይ ኢሜይል ሰርቨር ምጥቓመን ብገበናት ክኽሰሳ ኣድላይ ኣይኮነን ኢሉ።ንዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ብምውካል ሕፅይቲ ክኾና እየብ ዝብሃላ ሂላሪ ክልንቴን ዓብዪ ፖለቲካዊን ሕጋውን ዕንቅፋት ኣወጊዱለን ኣሎ።

ዳይረክተር FBI ጄምስ ኮመይ ሂላሪ ክልንቴን ምንስቴር ወፃኢ እናሃለዋ ኣብ ኒው ዮርክ ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዝአን ብናይ ውልቂ ናይ ኢሜይል ሰርቨር ምስ መሳርሕተን ምስጢራት ዝሓዙ መልእኽትታት ምልውዋጠን ብበሊሕ ነቒፎምወን ኣለው።

ይኹን እምበር መርመርቲ ንኣሽሓት ኢሜይላት ክልንቴን ከምዝመርመሩን ኮነ ኢለን ንሕግታት ዩናይትድ ስቴትስ ምጥሓሰን ዝሕብር መርትዖ ግን ከምዘይረኸቡን ከምዚ ዝበለ ውፅኢት ሒዙ ኽሲ ዝምስርት ዓቃቢ ሕጊ ኣይህሉን ኢሎም።

XS
SM
MD
LG