ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መገሻ ምንስቲር ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ሊብያ


ምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ ሂለርይ ክልንትን፣ነቶም ኣሜሪካን ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክን ናብ ስልጣን ዘብፅሕዎም መራሕቲ ሊብያ ዘለወን ደገፍ ንምግላፅ ኣብ ሊብያ መገሻ ይፍፅማ‘ለዋ።

ድሕሪ ውድቀት መዓሙር ገዳፊን፣ዓወት ጊዚያዊ መንግስቲ ሊብያን ኣብ ሊብያ መገሻ ዝፈፀማ ፈላመይቲ ኣሜሪካዊት ባዓልቲ ስልጣን’የን ሂለርይ ክልንተን።

ንሰን ምስ መራሒ ጊዚያዊ መንግስቲ ሊብያ ሙስጠፋ ዓብደል ጀሊልን ቀ/ሚ መሓመድ ጅብሪልን ተዘራሪበን፣ናብ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ንምስጋር ሓገዝ ክንህብ ኢና ኢለን።

ኣብ ናፃ ሊብያ ስለዝተረኸብኩ ክብሪ ይስመዐኒ ዝበላ ሂለርይ ክልንተን፣ ሓዳስ ሃገር ተፈጢራ ምርኣየይ‘ውን ኣሓጉስኒ‘ሎ ኢለን።ኣስዒበን ምስ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ትሪፖሊ ክራኸባን፣እቶም ተማሃሮ ሃገሮም ናብ ጎደና ዴሞክራሲ ንክትሰጋገር ዘለዎም ራኢ ክሰምዓን‘የን።

ላዕለዎት ኣሜሪካዊያን ዲፕሎማት፣ንህንፀት ሊብያ ዝውዕል ሚልዮናት ዶላራት ሓገዝ ለጊሶም‘ለው።እቲ ገንዘብ ንወትሃደራዊ ኣፅዋር፣ኣብ ትምህርቲ፣ ቁጠባዊ መደባት፣ኣብ ውግእ ንዝቆሰሉ ወትሃደራት ንምሕካም ከምኡውን ካብ ስልጣነ ግሪክን ሮማውያንን ጀሚሩ ሊብያ ንዝዓቆረቶም ቅርስታት ንምዕቃብ ዘሐግዝ‘ዩ።

ካብ ኣጀንዳታት ወ/ሮ ሂለርይ ክልንተን ኣብ ቀዳማይ ተሰሪዑ ዘሎ፣ኣብ እዋን ስርዓት ገዳፊ ካብ መንግስታዊ መኻዚኖ ዝተሰወሩ ኣፅዋራት ምድላይ ኮይኑ‘ሎ።እቶም ኣፅዋር ናብ ኢድ ፈጠርቲ ራዕዲ ክኣትው ይኽእሉ‘ዮም ዝብል ስግኣት ኣሎ።

ኣብ ካይሮ ማእከል ኣሕራም ዝሰርሕ ዚያድ ኣኪ፣ፓርቲታት ሊብያ ንጊዚያዊ መንግስቲ ምሒር ናብ ምዕራባውያን ተፀጊዑ ኢሎም ክነቅፉ ይኽእሉ‘ዮም ይብል።

ምስ‘ታ ብሃብቲ ነዳዲ ዘይቲ ዝተዓደለት ሊብያ፣ሓድሽ ፅምዶ ይጅምሩ ዘለው ኣሜሪካን ሃገራት ኣውሮዻን ጥራሕ‘ዮም።ኳታር ከይደንጎየት ምስ ጊዚያዊ መንግስቲ ወጊና፣ገንዘባዊ ሓገዝ‘ውን ኣበርኪታ‘ያ።ቱርኪ ግና ደንጉያ‘ያ ጀሚራቶ።

ወ/ሮ ሂለርይ ክልንተን ነቲ መገሻ ይፍፅማ ዘለዋ፣ሓይልታት ጊዚያዊ መንግስቲ ንከተማ ባኒ ዋሊድ ንክቆፃፀሩ ኣብ ዝተቃረብሉ ጊዜ‘ዩ።ብዘይካ‘ዚ ንከተማ ሲርተን ደቡባዊ ከተማታትን ገና ክቆፃፀሩ ትፅቢት ይግበረሎም።

XS
SM
MD
LG