ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መገሻ ሂለርይ ክልንትን ኣብ ታንዛንያ፣ዛምቢያን ኢትዮጵያን


ሂለርይ ክልንትን
ሂለርይ ክልንትን

ንንግዲ፣ምዕባለን ፀጥታን ኣልዒለን ክዘራረባ'የን

ምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ ሂለርይ ክልንትን፣ኣብ‘ዚ ሰሙን ናብ ኣፍሪቃ ዝፍፅመኦ መገሻ፣ኣብ ምጥንኻር ንግዲ፣ምዕባለን ዞባዊ ፀጥታን ዘተኮረ ከምዝኾን ተገሊፁ።

ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬትስ ንጉዳይ ሊብያ ኣብ ዝመክር ኣኼባ ድሕሪ ምስታፈን፣ናብ ኣፍሪቃ ሰጊረን መገሻ ክፍፅማ‘የን ሂለርይ ክልንትን።
ጉዳይ ኣግዋ (ዕድላት ምዕባለ ኣፍሪቃ ዘፅደቀ ሕጊ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን) ኣብ ሉሳካ ታንዛንያ ዓርቢ ክዘራረባሉ መደብ ኣለወን።

ድሕሪ ዛምብያ ወ/ሮ ሂለርይ ክልንትን ናብ’ታ ምስ ትካል ግድላት ሚለንየማዊ ግድላት ዩ-ስ ናይ 7 ሚእቲ ሚልዮን ውዕል ዝተፈራረመት ታንዛንያ ክኣትዋን።እቲ ገንዘብ ኣብ ምንካይ ድኽነት፣ቁጠባዊ ምብርባር ዘተኮሩ መደባት ኣብ ምፍፃም ዝውዕል‘ዩ።

ካልእ ዓብዪ ትኹረት መገሻ ምንስቲር ወፃኢ ኣሜሪካ ሂለርይ ክልንትን ኣብ‘ቲ ተባራዒ ዞባ ምብራቅ ኣፍሪቃ፣ናይ ነዊሕ መሻርኽቲ ዩ-ስ ዝኾነት ኢትዮዽያ‘ያ።ወሃቢ-ቃል ምንስቲር ወፃኢ ኢትዮዽያ ዲና ሙፍቲ፣ ንኣገዳስነት እቲ ዑደት ይገልፁ።

”ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ምትሕብባር ኣሎና።ኣብ ምዕባለን፣ፀጥታን ዝኣምሰሉን ዘፈራት ንተሓጋገዝ ኢና።እዞም ዝፀንሑና ርክባት ክጠናኸሩ ካብኡ ሓሊፍና ድማ ኣብ ምርግጋፅ ዞባዊ ፀጥታ ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ዝብል ተስፋ ኣሎና” ኢሎም ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ።

ኣብ ሞንጎ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝደገሰ ኲናት ከምኡውን ኣብ ሶማልያ ዘየባሪ ግጭት ንዩ-ስን ንኢትዮዽያን ማዕረ ዘሻቅሎም ፀጥታዊ ፀገማት‘ዮም።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ሂለርይ ክልተን ምስ ደምበ ተቃውሞ ኢትዮዽያ ዝራኸባ እንተኾይነን ዝሕብር መደብ ስለዘይተገልፀ ኣዝዮም ከምዝጓሃዩ መራሒ መድረክ ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ገሊፆም።

ዶ/ር ነጋሶ ኣብ ሪኢቶኦም፣ውሽጣዊ ኣፍሪቃዊ ፖለቲካ ኣገዳሲ‘ዩ ይብሉ። ኣብ ጉዳይ ዴሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ርኡይ ጉድለት ምስ ዝኽሰት ይብሉ ንሶም፣ምዕባለን ህድኣትን ኣይረጋገፁን።

ከምዝመስለኒ ኢሎም ዶ/ር ነጋሶ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ነቲ ፕሮግራም ከውፅእን ምሳና ንክራኸባን ክገብርን ኣለዎ።እንተዘይረኺበናና ኣዝዩ ዘሕዝን ክኸውን እዩ።

ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ንዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት ንኢትዮዽያ ይመርሑ። ተቃወምቶም ኣብ‘ታ ሃገር ናፃን ርትዓውን ምርጫ ንከይሳለጥ ዓንቂፎም ኢሎም ይኸስዎም።ብማሕበራዊ ሚድያ ዝተደገፈ ኣድማ ፀረ መንግስቲ ኣብ እዋን ዕስራ ግንቦት፣ብጠንቂ ከስዕብ ይኽእል‘ዩ ዝተባሃለሉ ስጉምቲ ሓይልታት ፀጥታ ከምዝፈሸለ ዝዝከር‘ዩ ይብል እቲ ሪፖርት።

XS
SM
MD
LG