ኣብ ክልል ትግራይ ቅድሚ ኣርባዕተ ሰሙን ኣቢሉ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝርከባ ገለ ኣብያተ ትምህርቲ ተምሃሮ ሰዓብቲ እስልምና ሃይማኖት ኣዋልድ ሕጃብ ተኸዲነን ናብ ቤት ትምህርቲ ንኸይኣትዋ ምኽልካሎም ስዒቡ ዛጊድ 159 ተምሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ተኣጓጊለን ይርከባ።
ነዚ ስዒቡ ዝተፈላለዩ ቤት ፅሕፈታት እስልምና ኣብ’ዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ፍታሕ ክግበረሉ ናብ ቤትፅሕፈት ትምህርቲ ኣኽሱም ዘቅረብዎ ቅሬታ ብደብዳበ መልሲ ተዋሂቡዎም ነይሩ
1. ፖሊሲ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ስሪት ንኽነውፅእ የፍቅደልና እዩ። ብሙዃኑ “ትምህርቲ ካብ ዝኾነ ሃይማኖታዊን ፖለቲካውን ፅዕንቶ ነፃ / ሴኩላር/ ኮይኑ ክኸይድ ንምግባር እዩ”
2. ሕገመንግስቲ ፌ/ዴ/ሪ/ኢትዮጵያ ዓንቀፅ-90 ተራ ቁፅቲ-2 “ትምህርቲ ካብ ሃይማኖታዊ፣ ፖለቲካዊ ኣረኣእያታትን ባሕላዊ ፅዕንቶታትን ነፃ ክወን ኣለዎ ስለዝብል
3. ኣብያተ ትምህርቲ ንኸይዲ ምምሃር ማስትምሃት ዝምቸው ደምቢ ኣውፂአን ብምፅዳቅ ከተግብራ ከምዝኸእላ መምርሒ ኣመራርሓን ኣወዳድባን ኣብያተ ትምህርቲ ብዛዕባ ምውፃእ መተሓዳደሪ ደምቢ /ስሪት/ ስለ ዝድንግግ እተን ኣብያተ ትህርቲ ዝሰዓበኦ ተግባር ምስዚ ዝፃባእ ኣይኮነን ክብል መልሱ ሂቡ።
ብኸምዚ እቲ ጥርዓን ስጋብ ቤት ፅሕፈት ቢሮ ትምህርቲ በፂሑ
ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ እቲ ተግባር ሓዱሽ ዝተፈለየ መምርሒ ኣብ ዘይተዋህበሉ እዋን ዝፍፀም ዘሎ ብሙዃኑ ተቀባልነት ዘይብሉ እዩ ብምባል በቲ ዝነበረ ኣከዳድና ንኽቅፅላ እንተገለፀ'ውን ሐዚ'ውን ግን ፍታሕ ኣይተረኽቦን።
ካብዚ ብምብጋስ ንኽልተ ኣጋይሽ ብምዕዳም ንሙዃኑ እዚ ተኸልኪሉ ዝበሃል ዘሎ ኣከዳድና ህጃብ ዝፈጥሮ ስግኣት እንታይ እዩ? ኣብያተ ትምህርቲ ነቲ ብሚኒስትሪ ትምህርቲ ፌደራል ንዝወረደ መምርሒ ናይ ምጥሓስ መሰለን ማዕሮ ክንደይ እዩ? ኣብ ሰብኣዊ መሰልን ናፅነትን ደቂ ኣንስትዮን ክፈጥሮ ዝኸእል ፅልዋ 'ኸ እንታይ ይመስል ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ዘቲና ኣለና ። ዶ/ር ኣብራር ፍትዊ ካብዚ ካብ ኣሜሪካ ኣብ ኢንዲያና ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ። መኮነን ፍሰሃ ቅድም ክብል ኣብ ዩንቨርስቲ መቀለ መምህር ሕጊ ዝነበሩን ኣብዚ እዋን ኣብ ኖርወይ ዩንቨርስቲ ኦስሎ ሳልሳይ ዲግሪኦም ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ምርምር ኣብ ምግባር ይርከቡ።
ቅጥዒ