ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕዝቦላህ ኣስታት 170 ሮኬታት ናብ እስራኤል ወንጪፉ


ናብ እስራኤል ዝተወንጨፉ ሮኬታት
ናብ እስራኤል ዝተወንጨፉ ሮኬታት

ሕዝቦላህ ብዝሒ ዘለዎ ሮኬታት ናብ እስራኤል ምውንጫፉ ኣፍሊጡ’ሎ። ኣዛዚ’ቲ ጉጅለ ነቲ ኣብ ዶብ ሊባኖስ ዝርከቡ እስራኤላዊያን ካብ መንበሪኦም ክሃድሙ ዝደረኸ መጥቃዕቲ ተጽዕኖ ንምፍጣር ከምዝቕጽልዎ ሓቢሩ’ሎ።

ሰራዊት እስራኤል ብወገኑ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወታሃደራት ትማሊ ሰሉስ ናብ ዶብ ሊባኖስ ምውፋሩን ኣብ ዝተኻየደ ደብዳብ ድማ ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሕዝቦላህ ከምዝተቐትለ ኣፍሊጡ’ሎ።

ሕዝቦላሕ ዝወንጨፎ ሮኬታት ክሳብ ከተማ ሃይፋ እስራኤል ዒላማ ዝገበረ ምኳኑን ሰበ-ስልጣን እስራኤል ድማ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ካብቲ ቦታ ክወጹ ኣጠንቂቖም ኣለው። ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ እስራኤል ሕዝቦላህ ኣስታት 170 ሮኬታት ናብ ዶብ እስራኤል ምውንጫፎም ሓቢሮም ኣለው።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG