ዋሽንግተን —
ሕዝቦላህ ብዝሒ ዘለዎ ሮኬታት ናብ እስራኤል ምውንጫፉ ኣፍሊጡ’ሎ። ኣዛዚ’ቲ ጉጅለ ነቲ ኣብ ዶብ ሊባኖስ ዝርከቡ እስራኤላዊያን ካብ መንበሪኦም ክሃድሙ ዝደረኸ መጥቃዕቲ ተጽዕኖ ንምፍጣር ከምዝቕጽልዎ ሓቢሩ’ሎ።
ሰራዊት እስራኤል ብወገኑ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወታሃደራት ትማሊ ሰሉስ ናብ ዶብ ሊባኖስ ምውፋሩን ኣብ ዝተኻየደ ደብዳብ ድማ ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሕዝቦላህ ከምዝተቐትለ ኣፍሊጡ’ሎ።
ሕዝቦላሕ ዝወንጨፎ ሮኬታት ክሳብ ከተማ ሃይፋ እስራኤል ዒላማ ዝገበረ ምኳኑን ሰበ-ስልጣን እስራኤል ድማ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ካብቲ ቦታ ክወጹ ኣጠንቂቖም ኣለው። ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ እስራኤል ሕዝቦላህ ኣስታት 170 ሮኬታት ናብ ዶብ እስራኤል ምውንጫፎም ሓቢሮም ኣለው።
ቅጥዒ