ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ሕዝቦላህ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ተቐቲሉ


ከምዝተቐትለ ዝግለጽ ዘሎ መራሒ ሕዝቦላህ ሳሊሕ ኣሩዩሪ -ፋይል
ከምዝተቐትለ ዝግለጽ ዘሎ መራሒ ሕዝቦላህ ሳሊሕ ኣሩዩሪ -ፋይል

ሓደ ካብቶም ላዕለዎት መራሕቲ ሓማስ ብደብዳብ ነፋሪት እስራኤል ሎሚ ረቡዕ 3 ታሕሳስ 2024 ኣብ ቤሩት ምስተቐተለ ሕዝቦላህ ግብረ መልሲ መጥቓዕቲ ክፍፅም እዩ ብዝብል እስራኤል ኣብ ዝለዓለ ተጠንቀቕ ከም እትርከብ ገሊፃ።

እቲ መቕተልቲ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝሰፍሐ ግጭት ከስዕብ ዝኽእል እዩ። ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ቓዛ ኵናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ዝለዓለ ኣባል ሓማስ ዝነበረ ሳሊሕ ኣሩዩሪ ምቕታሉ ንእስራኤል ሞራል ዝህብ እዩ። ሓማስ ኣብ ቓዛ ተሪር ምክልኻል ብምቕፃል ብዙሓት ዝተጨወዩ ብጅሆ ሒዙ ቀፂሉ ይርከብ።

እዚ ቕትለት መራሒ ሕዝቦላህ ኣብቲ ኵናት ዝህልዎ ሳዕቤን ግን ንፁር ኣይኮነን። እስራኤል ቅድሚ ሎሚ ንዓመታት ሓያሎ ላዕለዎት መራሕቲ ሓማስ ቀቲላ እያ። ሽዑ ንሽዑ ግን ይትክኡ። ሕዝቦላህ ሓያል ህልውና ኣብ ዘለዎ ደቡባዊ ቤሩት ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ነቲ ዛጊት ኣብ ዶብ ሊባኖስ ብዝተሓተ ደረጃ ይካየድ ዝነበረ ምልውዋጥ ቶኵሲ ናብ ምሉእ ኲናት ከይሰፍሕ ስግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ።

ሕዝቦላህ፡ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ንዝርከቡ ናይ ሕዝቡላህ መራሕቲ ዒላማ እንተገይራ ሕነ ከምዝፈዲ ቅድሚ ሎሚ ምጥንቃቑ ይዝከር።

ኣብ ቓዛ ኵናት ካብ ዝጅመር እስራኤልን ሕዝቦላህን መዓልታዊ ብዝብሃል ቶኽሲ ክለዋወጡ ፀኒሖም እዮም። ሕዝቦላህ ትማሊ ሰሉስ ምሸት ናብ ሰሜናዊ እስራኤል ሮኬት ከምዝተኮሰ ዝገለፀ ኮይኑ ምስ ቕትለት ኣሩዩሪ ግን ብቐጥታ ኣየተኣሳሰሮን።

እስራኤል ከቢድ ደብዳብ ተወንጫፊን ነፈርትን ከምዝፈፀመት ጋዜጠኛታት ካብ ደቡባዊ ሊባኖስ ፀብፂቦም ኣለው። ዝወረደ ጉድኣት ኣይተገለፀን። ሎሚ ረቡዕ ግን እቶም ናይ ዶብ ከባቢታት ፀጥ ኢሎም ውዒሎም ኣለው።

ሰበስልጣን እስራኤል ብዛዕባ ቅትለት ኣሩዩሪ ዝሃቡዎ ርእይቶ የለን። ወሃቢ ቃል ሰራዊት እስራኤል ሪር ኣድሚራል ዳኔል ሃጋሪ ንዝኾነ ይኹን ኩነታት ድልዋት ኢና ኢሎም። ኣመሪካ እቲ ኵናት ክሰፍሕ ድልየት የብላን፤ ክልተ ተሸከምቲ ነፈርቲ መራኽብን ተወሳኺ ወታሃደራዊ ናውትን'ውን ናብቲ ዞባ ልኢኻ ኣላ።

ቀዳማይ ሚንስተር ቤንያሚን ነታንያሁንን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣንን ንመራሕቲ ሓማስ ኣብ ዝሃለውዎ ከምዝቕተሉ ብተደጋጋሚ ከጠንቅቑ ፀኒሖም እዮም።

ሓማስ 7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ደቡባዊ እስራኤል መጥቓዕቲ ብምፍፃም ንኣስታት 1,200 ሰባት ብምቕታል ንኣስታት 220 ሰባት ጨውዩ ወሲዱ እዩ ድሒሩ ግን ብምልውዋጥ እሱራት ንገለ ፈቲሑ'ዩ።

እስራኤል ንብዙሓት መራሕቲ ሓማስ ኣብ ቓዛ ከምዝቐተለት ትገልፅ። እቲ ኵናት ካብ ዝጅመር ኣብ ካልእ ሃገር ንዝርከብ ላዕለዋይ መራሒ ክትቐትል ግን እዚ ናይ መጀመርታ እዩ።

ኣሩዩሪ ምኽትል ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ ኢስማዒል ሓኒየህ ክኸውን ከሎ እስራኤል ኣብ ዝተቖፃፀረቶ ምዕራባዊ ገማግም መራሒ ናይቲ ጉጅለ እዩ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣሸባሪ ኢሉ ብምምዝጋብ ኣበይ ከምዘሎ ሓበሬታ ንዝሃበ ሓሙሽተ ሚሊዮን ዶላር ክሽልም እየ ኢሉ እዩ።

ሕዝቦላህ "እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ፣ ህዝባ፣ ፀጥትኣ፣ ልኡላዊነታን ምክልኻላን ዝተፈፅመ ከቢድ መጥቓዕቲ እዩ’’ ኢሉዎ ኣሎ።

"እዚ ገበን እዚ ብዘይ ግብረ መልስን መቕፃዕትን ከምዘይተርፍ ክነረጋግፅ ንደሊ’’ ኢሉ።

ብመሰረት ሓማስ ኣብ ዝቆፃፀሮ ከባቢ ዝርከብ ሚንስትሪ ጥዕና ዝሃቦ ኣሃዝ እስራኤል ብኣየር፣ ብምድሪን ባሕሪን ኣቢላ ኣብ ቓዛ ብዝፈፀመቶ መጥቓዕቲ ልዕሊ 22,300 ሰባት ዝተቐተሉ ኮይኖም ካብዚኦም ክልተ ሲሶ ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑትን እዮም። እቲ ኣሃዝ ስቪላትን ዕጡቓትን ፈልዩ ኣይቐርብን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG