ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.እስራኤል ኣብ ኣመሪካ ዘካየድዎ ምብጻሕ ንዝጸንሐ ውጥረት ምፍኳስ ይጥቀምሉ


ፕረዚደንት ሄርዞክ ምስ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዝተራኸብሉ ዝተወስደ
ፕረዚደንት ሄርዞክ ምስ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዝተራኸብሉ ዝተወስደ

ፕረዚደንት እስራኤል ኣይዛክ ሄርዞግ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ኣመሪካ ዘካየድዎ ዑደት ነቲ ምስቶም ኣብ ዋሽንግተን ዘለዉ ናይ ነዊሕ እዋን ደገፍቶም ዝተፈጥረ ውጥረት ንምፍኳስ ተጠቂሞምሉ’ለዉ።

ገለ ካብቶም ደገፍቶም 'ሕሉፍ' ክብሉ ንዝፀውዕዎ ፖሊስታት ቀዳማይ ሚንስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ዘለዎም ተቓውሞ ገሊጾም ኣለው።

ፕረዚደንት ሄርዞግ “ ገለ ኣባላት ባይቶ ዘቕረብዎ ሓዊሱ ካብ ፈተውቲ ዝቐረበ ወቐሳ ሰሚዐዮየ። ዋላ’ዃ ኩሉ ግዜ ክትቅበሎ ኣለካ ማለት እንተዘይኮነ:ነቲ ነቀፌታት’ዉ የኽብሮ'የ።"

“ናይዚ’ዚ እዋን ፀገም እቲ ዝተገብረ ለውጢ’ዩ። ግን ከም ዝመስለኒ እቲ ፀገም ካብዚ ንላዕሊ ዝዓበየ’ዩ። እቲ ኣዝዩ ዝዓበየ ፀገም ፍልስጤማያን ዝምልከት ዘሎ መርገፂ መንግስቲ’ዩ። ኣመሪካ እቲ ክልተ መንግስታት ጎኒ ንጎኒ ምንባር ዝብል ፍታሕ ገና ኣፅኒዓ’ያ ሒዛቶ ዘላ። እቲ ካልእ ኸኣ በዚ ምምሕዳር ፈፂሙ ተቀባልነት ዘይብሎም ከም ቤን ግቪየር ስማትሪች ዝበሉ ሚንስተራት ምህላዎም’ዩ። ብዝኾነ ምምሕዳር’ዉን ተቀባልነት ዝህልዎ ኣይመስለንን" ኢሎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG