ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣብ ካልኣይ መድረኽ ዙር ኣልኡላ ካልኣይ ወጺኡ


ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ዙር ኣልኡላ 2ይ መድረኽ
ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ዙር ኣልኡላ 2ይ መድረኽ

ሎሚ 31 ጥሪ 2024 ኣብ ዝተቓንዐ ብ"ዙር ኣልኡላ” ዝጽዋዕ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝካየድ ዘሎ ቕድድም ብሽክለታ ካልኣይ መድረኽ ውድድር ኖርወጃዊ ሶረን ቫልሽኮልድ (Søren Wærenskjold) ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡ ምስ ጋንታ ኣስታና ቃዛቅስታን ዝወዳደር ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ድማ ካልኣይ ወጺኡ። ንሄኖክ ስዒቡ ድማ ፈረንሳዊ ኒልስ ኢኮፍ ሳልሳይ ብምዃን ውድድሩ ዛዚሙ ኣሎ።

ኣብዚ ውድድር ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ’ውን ንጋንታኡ ተረንጋኑ ወኪሉ ተሳቲፉ ነይሩ፣ መበል 17 ኰይኑ ድማ ውድድሩ ዛዚሙ። ሻራን ኣብ ዝተባህለ ሕዛእቲ ሎሚ ዝተኻየደ ውድድር 199 ኪሎ-ሜተር ዝሸፈነ’ዩ። ኣቐዲሙ ብዙር ስዑዲ ዝፍለጥ ዝነበረ ውድድር ዙር ኣልዩላ ትማሊ ሰሉስ 30 ጥሪ ዝጀመረ ኰይኑ ክሳብ ቀዳም 3 ለካቲት ንሓሙሽተ መድረኻት ክቕጽል’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG