ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሄኖክ ምሉእብርሃን ዝበለጸ ተቐዳዳሚ ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2023 ተሰይሙ


ወዲ 24 ዓመት ኤርትራዊ ፕሮፈሸናል ተቐዳዳሚ ብሽክለታ ሄኖክ ምሉእብርሃን፡ ንወዲ-ሃገሩ ቢንያም ግርማይ ቀዲሙ፡ ናይዛ እትዛዘም ዘላ ዓመት ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳሚ ኣህጉር ኣፍሪቃ ተሰይሙ ኣሎ። ንዝመጽእ ክልተ ዓመታት ምስ ጋንታ ኣስታና ቃዝቃዝታን ፈሪሙ ዘሎ ሄኖክ፡ ኣቐዲሙ ምስ በበይነን ዓበይቲ ጋንታታት ከም ባይክ-ኣይድን ግሪን ፕሮጀክትን ተሓቚፉ ተወዳዲሩ’ዩ።

እዚ ውድድር ንመበል 12 እዋኑ ዝካየድ ዘሎ ኰይኑ፡ ሸሞንተ ካብኡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዝተዓወቱሉ’ዩ። ኣብቲ 25 ኣባላት ዝሓዘ ኮሚተ ዝሃቦ ፍርዲ፡ እቲ ንሰለስተ ዓመታት ኣከታቲሉ ዝተዓወተ ቢንያም ግርማይ ካልኣይ ኣብ ዝወጽኣሉ፡ ሞሮካዊ ኣሽራፍ ኤድ ዶግምይ ድማ ሳልሳይ ተሰሪዑ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG