ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብእብራይስጥ ዝተጻሕፈ ዝዓበየ መፅሓፍ ቅዱስ ብ38.1 ሚልየን ዶላር ተሸይጡ


ፋይል
ፋይል

ብእብራይስጥ ዝተፃሕፈ ናይ ዓለምና እቲ ዝዓበየ መፅሓፍ ቅዱስ ኣብ ኒውዮርክ ብ38.1 ሚልየን ዶላር ብጨረታ ተሸይጡ። ነቲ ጨረታ ዘካየደ ትካል ሶተቢስ ‘ኮዴክስ ሳሶን’ ብጨረታ ካብ ዝሸጦም ኣዝዩ ክቡር ብኢድ ዝተፃሕፈ ምኻኑ ገሊፁ።

“እዚ ኣብ ከባቢ ዓመተ 900 ብኢድ ዝተፃሕፈ ኮዴክስ ሳሱን ዝተባህለ መፅሓፍ ንኹሎም ዓይነት መፃሕፍቲ እብራይስጥ ብመልክዕ ሓደ ቅርፂ ጠቕሊሉ ዝሓዘ እዩ።” ካብቶም ናይ መፈለማ እዋናት ዳርጋ ዝተማለአ ክበሃል ዝኽእል ብኢድ ዝተፃሕፈ መፅሓፍ ቅዱስ እዩ።

ኮዴክስ ሳሱን ንቃላዊ ትውፊት ኣይሁድ ምስ ዘመናዊ መፅሓፍ ቅዱስ እብራይስጥ ዘራኽብ ወሳኒ መላግቦ ዘቕርብ እዩ።

መንነት ዓደግቱ ንግዚኡ ዘይተገለፀ ኮይኑ መሸጥኡ ግን ነቲ ኣብ 1994 ብ30.8 ሚልዮን ዶላር ዝተሸጠ ብሊዮናርዶ ዳ ቬንቺ ዝተዳለወ ብኢድ ዝተፃሕፈ ኮዴክስ ሌስተር ዝበለፀ ኮይኑ እዩ።

XS
SM
MD
LG