ዋሽንግተን —
ኣብ ጃፓን ዝወረደ ብርቱዕ በረድ ብዉሑዱ 17 ሰባት ምቕታሉን ልዕሊ 90 ምቑሳሉን ብኣማኢት ዝቑጸሩ አባይቲ ብዘይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝተረፉ ናይታ ሃገር ትካል ምሕደራ ሓደጋ ሓዊን ዕንወትን ኣፍሊጡ።
ብዙሓት ካብቶም ግዳያት ዝሞቱ ኣብ ናሕሶም ንዝተኾመረ በረድ ክፀርጉ ክብሉ ወዲቆም’ዮም።
ብቀዳም ልዕሊ 80 ሴንቲ ሜትር ዝንውሓቱ በረድ ዝተኾመራ ኣብ ያማጋታ ትርከብ ከታማ ናግያ ሓንቲ ዕድመ ዝደፍኣ ሰበይቲ ካብ ናሕሲ ብዝወደቀ ኩምራ በረድ ተደፊነን ሞይተን ከምዝተረኽባ ተገሊፁ’ሎ።
ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ’ታ ሃገር ብአማኢት ዝቑጸራ መኻይን ኣብ መንገዲ ተገዲዐን ከምዝነበራን ባቡራትን ነፈርቲን ጉዕኣን ክሳብ ትማሊ ሰንበት ክቋርፃ ተገደዳን ምንባረንን ሎሚ ሰኑይ ግን ኣገልግሎተን ከምዝቀፀላ ተገሊፁ’ሎ።
ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ሰሜናዊ ምብራቅ ጃፓን ሎሚ ካብቲ ንቡር በረድ ንላዕሊ ሰለስተ ዕፅፊ ወሪዱ'ሎ።