ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሱዳን ብዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብ 9 ሰባት ሞይቶም


 ፋይል
ፋይል

ኣብ ሱዳን ብዝወቕዐ ከቢድ ዝናብ ህንጻታት ዓንዩ ትሸዓተ ሰባት ሞይቶም።

ኣብ ግዝኣት ናይል ኣብ ትርከብ ንእሽቶ ቁሸት ዘላ ሆስፒታል ዝሰርሕ ዓብዱ ሓማድ ብሰንኪ ምፍራስ ህንጻታት ትሸዓተ ሰባት ምሟቶም ከምኡ`ውን ብዙሓት ዝቖሰሉ ብቐጻሊ ናብቲ ሆስፒታል ይመጹ ምህላዎም ሓቢሩ`ሎ።

እቲ ሓደጋ ውሕጅ ኣብዚ ወቕቲ`ዚ ዝውቱር'ኳ እንተኾነ ሚልዮናት ብሰንኪ ኩናት ሕድሕድ'ታ ሃገር ተፈናቒሎምሉ ኣብ ዘለዉ እዋን እቲ ሳዕቤን ዝኸበደ ከም ዝኸውን ነበርቲን ኣህጉራዊ ትካላትን ይገልጹ።

ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ኣብ ፖርት ሱዳን ሓሙሽተ ሰባት ብውሕጅ ምሟቶም ይፍለጥ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት ሱዳን ብሰንኪ ዘጋጠማ ኵናት ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝተራእየላ ሃገር ኮይና'ላ።

ኣስታት 10.5 ሚልየን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም ይርከቡ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG