ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረተሰብ ዝመሰረቱ ግልጋሎት መከላኸሊ ዘይተደለየ ጥንሲ ኣብ ትግራይ


ወ/ሮ ኣፀደ ገ/እየሱስ
ወ/ሮ ኣፀደ ገ/እየሱስ
ኣብ ትግራይ ዝሰልጠና ኣደታት ዘይተደለየ ጥንሲ ንምክልኻል ግልጋሎት መከላኸሊ መርፍእ ይህባ ኣለዋ፡፡ እዚ ዋኒን እዚ ዛጊድ ኣብ ወረዳታት ገጠር ዓድዋ፣ ላዕላይ ማይጨው፣ ታሕታይ ማይጨው፣ ናዕዴር ዓዴት፣ ወርዒለኸ፣ደጉዓ ተምቤንን ኣሕፈሮምን ተግባራዊ ኮይኑ’ሎ፡፡

ኣብ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ዝነብራ ወይዘሮ ወይናረግ ህላወ “ጥዕነአን ዝሓለዋ ኣደታት ንሰለስተ ወርሒ ዝዋሃብ ግልጋሎት መከላኸሊ ጥንሲ ክረኽባ ንሰርሕ ኣለና ይብላ፡፡ካብ ስድራኣ ወይ ካዓ ካብ ባዓል ቤታ ተኸዊላ ክትጥቀም ንዝደለየት ብምሽጥር ዝዋሃብ ግልጋሎት እዩ” ይብላ፡፡

ኣብ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ትሰርሕ ዘላ ወይዘሮ ኣፀደ ገብረየሱስ መከላኸሊ መርፍእ ምውጋእ ዘይኸብድን ኣደታት እንተሰልጢነን ክፍጽመኦ ዝኽእላ ሓላፍነታዊ ተልእኾ እዩ ይብላ፤ ንባዕለን እውን ኣብ መንኮበን ባዕለን ከምዝወግኣ ይገልጻ፡፡

ሎሚ ሎሚ ኣብ ገጠራት ትግራይ መከላኸሊ ጥንሲ ምውሳድን መከላኸሊ ኮንዶም ምውሳድን ንቡር ይኸውን’ሎ እውን ትብል፡፡

ሕብረተሰብ መሰረት ዝገበረ ግልጋሎት መከላኸሊ ዘይተደለየ ጥንሲ ኣብ ትግራይ ብምትሕብባር ካሊፎርንያ ዩኒቨርሲቲ፣መቐለሉኒቨርሲቲ፣ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይን ማሕበር ኣንስትዮ ትግራይ እዩ ዝዋሃብ ዘሎ፡፡
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:43 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG