ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ግጭት ኣብ ዘጋጠመሉ ከባቢታት ኣገልግሎት ጥዕና ብከቢድ ምጉድኡ ሓደ ትካል ግብረ ሰናይ ሓቢሩ


ኣብ ኢትዮጵያ ኣብተን ግጭት ዝተራእየለን ከባብታት ዘሎ ኣገልግሎት ጥዕና ብኸቢድ ከም ዝተጎድአ ፕሮጀክት ተስፋ ዝተባህለ ገባሪ ሰናይ ትካል፡ ይገልጽ። እዚ ትካል ግብረ ሰናይ ኣብ ክልል ትግራይ 3ካብ ሚእቲ ጥራሕ ምሉእ ኣገልግሎት ይህብ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ኣብ ክልል ኣምሓራ`ውን ልዕሊ 50 ሚእታዊት ትካላት ጥዕና ተጎዲኡ`ዩ ይብል።

ኣብ ፕሮጀክት ተስፋ ዳይሬክተር ዞባ ኣፍሪቃ ዝኾነ ስቲቨን ኒሪ፡ ኣብተን ግጭት ቀጺሉ ዘሎ ክልላታት ኣምሓራን ኦሮምያን ኣገልግሎት ጥዕና ዝያዳ እናሻቐለ ይኸይድ ከም ዘሎ ምዕጻው መንገድታት`ውን ነቲ ኩነታት የጋድዶ ከም ዘሎ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ግጭታት ምቕጻሉ ብምፍላይ ንደቀንስትዮ ህጻናትን እናበኣሰ ይኸይድ ከም ዘሎን፡ ተጸባይነት ሓገዝ `ውን ብእኡ መጠን እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ዝጠቐሰ ስቲቨን ኒሪ፡ ኣብ ዓለም ዝርኣዩ ዘለዉ ካልኦት ጉዳያት ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ሸለል ክብሃል ምኽንያት ከም ዝኾኑ`ውን ተዛሪቡ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG