ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

36 ዓመታት ዝወፈረ ተጋዳላይን ሓኪምን ወዲ ሻለቃ


ስለሺ ተወልደ

ኣብ ፈለማ እዋን ምግዳሉ 1971 ዓ.ም ማለት እዩ ኣብ ትግራይ ምስ ደርጊ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ቆሲሉ ንኽሕከም ናብ ማእኸል ሕክምና ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተላኢኹ። ንባዕሉ ተሓኪሙ ቁስሉ ምስ ሓወየ ናብ ስልጠና ሙያ ሕክምና ድማ ኣተወ። ምስ ሰልጠነ ኣብ ኤርትራ ክሳብ 1975 ዓ.ም ኣብ ሕክምናዊ ግልጋሎት ፀነሑ። ብድሕሪኡ ናብ ትግራይ ናብ ምድብ ቦትኡ ናብ ትግራይ ተመሊሱ ተመሳሳሊ ግልጋሎት ሂቡ። ናብ ሱዳን ተላኢኹ ድማ ብመጥባሕትን ፅገናን ኣዕፅምቲ ሰልጢኑ።

ኣብቶም ዝሓለፉ 36 ዓማውቲ ንብዙሓት ሓኪሙን ኣድሒኑን። ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ጊዜ ኵናት ኣብ ነብሱ ዝወረዶ ማህሰይቲ ደጊሱዎ ንዓሰርሱ ሕክምናዊ ሓገዝ ዘመዓዱ ሰብ ኮይኑ’ሎ።

ወዲ ሻለቃ ሳጉኡ እንትኾን ምሉእ ስሙ ስለሺ ተወልደ ይበሃል።

ወዲ ሻለቃዛጊድ እዚ እዩ ዝበሃል ሕክምናዊ ረድኤት ከምዘይረኸበ ይዛረብ። ኮይኑ ግና ኣብ ውሽጥን ወፃእን ሃገራት ዝርከቡ መማህርተይን መጋድልተይን ሓገዝ ኣተኣላሊሾም ከሐክሙኒ እዮም ዝብል ምሉእ ተስፋ ኣለዎ።

Recommended

XS
SM
MD
LG