ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊ ምርጫ ምክያድ ይክኣል እዩ ኢለን ምንስቴር ጥዕና ኢትዮጵያ


ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቅድመ ኩነታት ተማሊኦም ሃገራዊ ምርጫ ምክያድ ከምዝክኣል ካብ ምንስቴር ጥዕና ዝቐረበሉ ምኽረ ሓሳብ ሰሚዑ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ መናእሰይ፣ህፃናትን፣ማሕበራዊ ጉድያትን መሪሑዎ።ናይቲ ቤት ምኽሪ ናይ መወዳእታ ውሳነ ምስ ፈለጠ ግቡእ ስጉምቲ ከምዝወስድ ቦርድ ምርጫ ኣፍሊጡ።

ምንስቴር ምንስትሪ ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ተናዊሑ ዝነበረ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ሓድ ሓደ ቅድመ ኩነታት ብምምላእ ምክያድ ከምዝክኣል ሎማዕንቲ ዓርቢ ንቤት ምኽሪወከልቲ ህዝቢ ሓሳብ ኣቕሪበን።

ኢትዮጵያ ንኮቪድ ንምክልኻል ዝረኸበቶ ተመኩሮን ዘለዋ ዓቕምን ብግላፅ ምርጫ ንምክያድ ክግበሩ ዘለዎም ጥንቃቐታት ሓቢረን።

ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝነበረ ከይዲ ምርጫ ብዝተፈለየ ኣገባብ ምክልኻል ኮቪድ-19 ኣብ ግምት ዘእተወ ናይ ምርጫ ሕግን መፈፀሚ መምርሒታትን ምድላውን ኣብ ኩሉ ደረጃ እኹል ምድላው ብምግባር ናብተግባር ምእታው ከድሊ እዩ ኢለን። ‘’ኣብ ገለ ከባቢታት ዝለዓለ ምፍሕፋሕ ናይቲ ለበዳ እንተጋጢሙ ብዝተፈልየ ኩነታት ምርኣይ ከምዘድሊ ኣብ ግምት ብምእታ ምድላው የድሊ እዩ’’ ኢለን ዶክተር ሊያ ብምውሳኽ።

ቦርድ ምርጫ በዚ መንፅር ዘለዎ ድልውነት ክገልፃ ዝተሓተታ ሓላፊት ኮምኒኬሽን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ወይዘሪት ሶሊያና ሽመልስ‘’እቲ ውሳነ ምስፀደቐ ናባን ክመፅእ ትፅቢት ንገብር።ተፀዋዕነትና ንቤት ምኽሪ ስለዝኾነ ናብ ቦርድ ምስመፀ እቲ ቦርድ ተዘራርቡ ዝቕፅሉ ስራሕቲ ንህዝቢ ክፍልጥ እዩ’’ ኢለን።

እተን ምንስቴር ብዛዕባ ምኽፋት ኣብያተ ትምህርቲ እውን ተዛሪበን ኣለዋ።ኣብያተ ትምህርቲ ዳግም ንምኽፋት ብውድብ ጥዕና ዓለም ብዝተቐመጡ መለክዒታት ኣድላይ ጥንቃቐ ብዘማልአ ኩነታት ኣብያተ ትምህርቲ ከከም ከባቢኡ ምስፍሕፋሕ ናይቲ ሕማም ኣብ ግምት ብዘእተወ ምኽፋት ይክኣል እዩ ኢለን።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ዝቐረበ ጉዳይ ብምዝርራብ ንቀዋሚ ኮሚቴታት ጉዳያት መናእሰይ፣ህፃናትን ማሕበራዊን ከምኡ እውን ንፍትሕን ዴሞክራስን ምልኣኹ ተፈሊጡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG