ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ኣፍልጦ ዝረኸበ ምክልኻል ኮቪድ-19 ኣፍሪቃ


ኣፍሪቃ ቕልጡፍን ትኩርን ስጉምታት ብምውሳድ ንኮቪድ-19 ዝሃበቶ ግበረ መልሲ ዓለምለኸ ኣፍልጦ ረኺቡ።ናይ ኣፍሪቃ ማእኸላት ምቁፅፃር ሕማም ንኣሜሪካ ሓዊሱ ካብ ሃብታማት ሃገራት ብዝሓሸ ምውህሃድ ን54 ሃገራት እታ ኣህጉር ዝንኣድ ስራሕ ፈፂሙ ኣሎ።ልዕሊ 210,000 ሰባት ምስ ዝሞቱዋ ኣሜሪካ ብምውድዳር ኣፍሪቃ ብኮቪድ19 ህይወቶም ዝስኣኑ 37,000 ሰባት መዝጊባ ኣላ።ክሊታት ጥዕና ብድሕሪት ናይዚ ዝንኣድ ግብረ መልሲ ዘሎ ኩነታት ንምርዳእ ይሰርሑ ኣለው።

ግብፂ ናይ ኣፍሪቃ ፈላማይ ብኮቪድ 19 ዝተትሓዘ ሰብ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት ድሕሪ ምርግጋፃ ዳይረክተር ማእኸላት ሕማም ኣፍሪቃ ጆን ከንጋሶንግ ኣኼባ ሚንስትራት ጥዕና ፀዊዖም።

ከንጋሶንግ ልዕሊ 44 ሚንስትራት ጥዕና ኣፍሪቃ 22 ለካቲት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኪቦም።ኣብ ውሽጢ መዓልታት መንግስታት ነቲ ቫይረስ ብዝተዋደደ ንምምካት ዘኽእሎም ናይ ኣፍሪቃ ማእኸላት ምቁፅፃር ሕማም \CDC\ ኣህጉራዊ ናይ ሓባር ናይ ኮቪድ መከላኸሊ ስትራተጂ ሓንፂፅና ይብሉ ።

በቲ ቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ምህላው ከየረጋገፀት ዙምባቤ በረራ ነፈርትን ዓበይቲ ምትእኽኻብን ዝድርቱ ስጉምትታት ምሉእ ብምሉእ ወሲዳ።

ንሶም ወሲኾም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ 27 መጋቢት ምሉእ ምዕፃው ግብራዊ ኮይኑ።ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝኣመሰሉ ዘሎ በዝሒ በቲ ቫይረስ ዝትሓዙ ልዕሊ ዕፅፊ ምኾነ ነይሩ ኢሎም ።

"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘማዕበልናዮ ስትራተጂ ሃገራት ኣብቶም ዝተሰማማዕናሎም ጉዳያት ደፋኢ ሓይሊ እዩ ኮይኑ።ብምቕፅል ቅልውላው ኮቪድ 19 ኣብ ዓለም ንዘሎ ኣፈላላያት ኣቃሊዑ።ናይታ ኣህጉር ሓድነት እውን ክርአ ገይሩ እዩ።እታ ኣህጉር ኣብ ናይ 30 ዓመታት ህዝባዊ ናይ ሕክምና ኣገልግሎተይ ርእየዮ ብዘይፈልጥ ኩነታት እያ ብሕብረት ዝሰርሐት።"

ኩነታት ኣየር፣ዕድመ ዜጋታት፣ጀነትክስን ቅድም ኢሉ ብምሕማሞም ዘጥረይዎ ናይ ሰውነት መከላኸሊ ከምዝኣመሰሉ ምኽኒያታት በዝሒ ናይ ዝሞቱ ሰባት ክትሕት እንተገበረ እውን ኣብ ለካቲት ዝተወስደ ቕልጡፍ ስጉምቲ እውን ዓብይ ኣበርኽቶ ከምዝገበረ ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ናይ ኣፍሪቃ ሲዲሲ መንግስታት ናይ መከላኸልን ሕክምናዊ ቀረባትን ክረኽቡ ሓባራዊ ናይ ምዕዳግ መድረኽ ጀሚሩ።

ብዝተኻየደ ናይ ምርመራ ወፍሪ ኣብ መላእ እታ ኣህጉር ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 15 ሚሊዮን ምርመራት ተኻየዶም ኣለው።

ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ እዋኑ ፕሬዝዳንትነት ዝሓዘት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ መራሕቲ ኣፍሪቃን ናይ ኣፍሪቃ CDCን ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ ኣኼባ ተካይድ ኣላ።ሰባት ኣብ ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ናይ ነፈርቲ ጉዕዞ ንምውዳድ ኣብ ቀረባ ወፍሪ ተጀሚሩ ኣሎ።

"ልዕሊ 10,000 ሰራሕተኛታት ጥዕና፣ኣብ ኣእዋን ሓደጋ ምላሽ ዝህቡ ልዕሊ 200 መዲብና ኣለና።ሓኪማት ስርዓተ ምትንፋስ፣ረኽሲ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ኣለው።ብዘለና ውስኑ ፀጋታት ንኣፍሪቃ ብሉፅ ስራሕ ሰሪሕና ኣለና ዝብል እምነት ኣለኒ።"

ንኮቪድ 19 ንምክልኻል Resolve to Save Lives ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ንመንግስታት ዝሕግዝ ዓለምለኸ ጉጅለ ክኢላታት ጥዕና ተወካሊ ዝኾኑ ኢማኑኤል ኣጎጎ ኣብ ኣፍሪቃ በዝሒ ሞት ሒደት ምዃኑ ምስጢር እዩ ይብሉ።

ህዝቢ ንዘጋጥሞም ሓደጋ ጥዕና ንምክልኻል፣ ንምልላይን ግብረ መልሲ ንምሃብን ናይ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝወሰዶ ተበግሶ ናይ ሓባር ናይ ወፃኢ ገምጋማት መንግስታት ብቕልጡፍ ስጉምቲ ንምውሳድ ከምዘኽኣሎም ኣጎጎ ይገልፁ።

XS
SM
MD
LG