ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ሕሙማት ልቢ ህፃናት ይዓብይ’ኣሎ


ብሕማም ልቢ ዝሳቐዩ ኢትዮጵያውያን ህፃናት ቁፅሮም ይውስኽ ምህላዉ ኣብ ላዕለዋይ ሕክምና ዓይደር ላዕለዋይ ሓኪም ህፃውንቲ ዶክተር ኣባዲ ልኡል ይገልፁ።

"ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሕብረተሰብ ደቁ ናብ ሕክምና ናይ ምውሳድ ልምዱ ይዓብይ ብምህላዉ ቁፅሪ ግዳያት ይውስኽ ከምዘሎ ንርዳእ ኣለና" ኢሎም።

ፀገም ልቢ ህፃናት ብኽልተ መንገዲ ከምዝፍጠር ዶክተር ኣባዲ ይገልፁ፤ ሓደ ካብ ኣፈጣጥረኦም ዝመፅእ ፀገም ኽኸውን ኸሎ እቲ ካልኣይን ኣዝዩ ከቢድ ኰይኑ ዘሎን ድማ ቆልዑ ምስ ዓበዩ ሰኣን ቀልጢፍካ ምሕካም ብሰንኪ ሕማም ሓናት ዝፍጠር ሕማም ልቢ እዩ።

"ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ሓደ ሽሕ ህዝቢ ካብ 0.6 ክሳብ 1.4 ሚእታዊት ሕማም ልቢ ይረአ፤ እዚ ማለት ድማ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ህፃናት በቲ ሕማም ተጠቒዖም ኣለዉ ማለት እዩ" ኢሎም ዶክተር ኣባዲ።

ኣብ መንጐ ዝማዕበላን ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራትን ዘሎ ለውጢ ክረአ ኸሎ እቲ ዝሰፈሐ ኣፈላላይ ኣብ ሕክምና ልቢ ከምዘሎ ተገሊፁ'ሎ። ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ብዘይመጥባሕቲ ብቐሊሉ ክዕረይ ብዝኽእል ፀገማት ልቢ ብዙሓት ህፃውንቲ ይሞቱ ምህላዉ ግሁድ ኰይኑ'ሎ።

ሓደ ካብቶም ግዳያት ህፃውንቲ ጓል 5 ወርሒ ኣብሳላት ተመስገን ትበሃል። ህፃን ኣብሳላት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከቡ ላዕለዎት ሕክምና ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስን ጥቁር ኣምበሳን ከምኡ’ውን ኣብ ዓይደር ምርመራ ተኻይዱላ እዩ። ኣብ ዓይደር ነታ ህጻን ዝመርመሩ ዶክተር ኣባዲ ከምዝብልዎ ኣብ ኣብሳላት ዝረአ ዘሎ ፀገም ካብ ኣፈጣጥራኣ ዝመፀአ ኰይኑ እሞ ድማ ክብድ ዝበለ እዩ፤ ክኢላታት ካብ ሃገርና ወፃኢ ናብዚ መፂኦም ክሰርሕዎ ዘይኽእሉ ክልተ ሰለስተ ጊዜ መጥባሕቲ ዘድልዮ ፀገም እዩ ይብሉ።

ወላዲኣ ኣይተ ተመስገን ብርሃነ ቦኽሪ ጓሉ ኣብሳላት ከሀክም ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ሕክምና ከርተት ከምዝበለ ብምግላፅ ኣብ መወዳእታ ካብ ሃገር ወፃኢ ከይዳ ክትሕከም ሕክምናዊ ቦርድ ዓይደር ከምዝወሰነን መረጋገፂ መረዳእታ ከምዝተወሃቦን ይገልፅ።

ጓሎም ካብ ሃገር ወፃኢ ወሲዶም ከሕክሙ ገንዘባዊ ዓቕሚ ስለዘይብሎም አእዳዎም ናብ ህዝቢ ከምዝዘርግሑ ይዛረቡ፤ ካብዚ ወፃኢ ግና ወላ ሓንቲ መፍትሒ ከምዘይብሎም ልባዊ ሓዘኖም ይገልፁ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ሕሙማት ልቢ ህፃናት ይዓብይ’ኣሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:07 0:00

XS
SM
MD
LG