ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሚሶም ብሓደ መሪሕነት ክምራሕ ወታሃደራተን ናብ ሶማል ዘዋፈራ አባል ሃገራት ወሲኖም


ኣኼባ ወታሃደራት ናብ ሶማል ዘዋፈራ ሃገራት ኣብ ጅቡቲ
ኣኼባ ወታሃደራት ናብ ሶማል ዘዋፈራ ሃገራት ኣብ ጅቡቲ

ናይ ሶማል ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪካ/ኣሚሶም/ ብሓደ መሪሕነት ንክምራሕ መራሕቲ ወታደራት ናይ ዘዋፈራ ሃገራት ወሲኖም።ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ወታደራት ክሳብ ሎሚ ብተናጸልን ኣብ ዝተመደብዎም ከባቢታት ይንቀሳቐሱ ከምዝነበሩ ፍሉይ ልኡኽ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣምባሳደር ገብረክርስቶስ ገሊጾም።

ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣህጉራዊ ውድብ ኣብ ሶማል ንኣል-ሸባብ ንምድምሳስን ንናይታ ሃገር መንግስቲ ክሕግዝ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኣሚሶም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጸአ ሰራዊት’ዩ እንተኾነ ግን ከም ሓደ ሓይሊ ክንቐሳቐስ ኣይጸንሐን።

ኢትዮጵያ ሓዊሱ መራሕቲ ንኣሚሶም ወታደራት ዘዋፈራ ሃገራት ኣብዚ ቅንያት ኣብ ጁብቲ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ነዚ ንምልዋጥ ተሰማሚዖም ኣለው።

ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኣምባሳደር ብርሃነ ንናይ ኢትዮጵያ ብሮድክስቲንግ ኮርፖረሽን ከምዚ ክብሉ ተዛሪቦም።

‘ኣብ ሶማል ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ንዝተወሰኑ ክፍል እታ ሃገርን ንመንግስቲ ሶማልን ብምድጋፍ እቲ ከባቢ ከረጋግኡን ካብ ኣል-ሸባብ ነጻ ከውጽኡን እዮም ተመዲቦም።ነጻ ዘውጽኡዎ ከባቢታት ኣሎ።እቶም ሓይልታት ብባዕሎም ይንቀሳቐሱ ስለዝነበሩ ሕጂ ተደሊዩ ዘሎ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሓፈሻዊ መሪሕነትን ቁጽጽር ክኾኑ እዩ።’

መራሕቲ ኢትዮጵያ፣ኬንያ፣ጁብቲን ሶማልን ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቦም ኣለው።

ናይቶም መራሕቲ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ኣል-ሸባብ ዝካየድ ወፍሪ ከሐይሉ እውን ተሰማሚዖም ኣለው።ንኣሚሶም ወታደራት ዘዋፈራ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ኬንያ፣ዩጋንዳ፣ብሩንዲን ጅቡቲን ክኾኑ ከለው ጋና፣ኬንያ፤ናይጀሪያን ሲየራሊዮንን ድማ ሓይልታት ፖሊስ ኣዋፊረን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣሚሶም ብሓደ መሪሕነት ክምራሕ ወታሃደራተን ናብ ሶማል ዘዋፈራ አባል ሃገራት ወሲኖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:16 0:00

XS
SM
MD
LG