ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሓዳሪ ዓለምለኸ ትካል ተራድኦ( USAID) ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ከካይዱ’ዮም


ኣመሓዳሪ ዓለምለኸ ትካል ተራድኦ( USAID)- ማርክ ግሪን
ኣመሓዳሪ ዓለምለኸ ትካል ተራድኦ( USAID)- ማርክ ግሪን

ናይ ኣሜሪካ ዓለምለኸ ትካል ተራድኦ(USAID) ኣመሓዳሪ ማርክ ግሪን ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ኣብ ኢትዮጵያ ከኻይዱ’ዮም።

እቶም ኣመሓዳሪ እቲ ትካል ነዚ ናይ ፍለማ ዑደቶም ናብ አዲስ አበባ ዝጉዓዙ ዘለው 8.5 ኢትዮጵያዊያን ብሰንኪ ደርቂ ረድኤት ኣብ ዝድልዮም ዘሎ እዋን ብምኳኑ እዩ።

ኣመሓዳሪ ናይ ኣሜሪካ ዓለምለኸ ትካል ተራድኦ ማርክ ግሪን ነዚ ዑደት ዘካየዱ ብሰንኪ ደርቂ ናይ ህጹጽ እዋን መግቢ ዘድልዮም ኢትዮጵያዊያን ቁጽሮም ብምውሳኹ ብምግላጹ ምኳኑ’ውን ተሓቢሩ’ሎ።

ብተወሳኺ ንሶም ብትካሎም ዝሕገዙ ናይቲ ማሕበረሰብ አባላት ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ናይ ምኽልኻል ብቕዓቶም ከምኡ’ውን ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ እቲ ሕብረተሰብ ንምርኣይ እዩ ክብል ካብቲ ትካል ዝወጸ መግለጺ የረድእ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣመሓዳሪ ዓለምለኸ ትካል ተራድኦ( USAID) ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ከካይዱ’ዮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:14 0:00

XS
SM
MD
LG