ፖለቲካዊ ስርዓት ኣልቦነት ሊቢያ ቀፂሉ’ሎ።ዓለምለኸ ደገፍ ዘለዎ መንግስቲ ንውሱን ኽፋል ከተማ ትሪፖሊ ጥራሕ ክቆፃፀር ከሎ ካልኦት ተቐናቐንቲ ሓይልታት ድማ ንገለ ኽፋል እታ ከተማ ሓዊሱ ንካልኦት ከተማታት ይቆፃፀሩ።ንሃገራዊ ሰራዊት ሊቢያ ዝመርሑ ጀነራል ኻሊፋ ሓፍታር ድማ ንገለ ካባቢ ይቆፃፀሩ።
ኣዛዚ ወታሃደራዊ ስርሒታት ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ጀነራል ቶማስ ዋልድሃውሰር ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ናይ ሙኒክ ዋዕላ ፀጥታ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ ቃል ኣሜሪካ ንተቐናቐንቲ ወገናት ናብ ሓድነት ክመፁን ክሰማምዑን ድፍኢት ተኻይድ ኣላ ኢሎም።
ናይ ጀነራል ሓፍታር ሓይልታት ንመብዛሕቲኡ ነዳዲ ዝወጸሉ ቦታታት ተቖፃፂሮም ይርከቡ።ብመንግስቲ ሩሲያ ዝውነን ዓብዪ ናይ ነዳዲ ኩባኒያ ሮስነፍት ምስ ናይ ሊቢያ ሃገራዊ ኩባኒያ ነዳዲ ቢሊዮናት ዶላር ንምምዋል ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ቀዳማይ ስምምዕ ተፈራሪሙ’ሎ።ሞስኮ ምስ ሊቢያ ዘለዋ ርክባት ንምርግጋፅን ንጀነራል ሓፍታር ምድጋፋን ተወሳኺ መርትዖን እዩ።ነዚ ብምምልኻት እቶም ጀነራል ኣብቲ ዝኻይደ ዘሎ ፃዕሪ ምቕርራብ ተቐናቐንቲ ሊብያ፡ ሩሲያ ተራ ክህልዋ ይኽእል እዩ ኢሎም።
ኣሜሪካ ኣብ ሊቢያ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ዕጡቓት ዳዕሽን ናይ መሰልጠኒ መዓስከራቶምን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ቀፃሊ ደብዳብ ነፈርቲ ኣካይዳ’ላ።
ኣዛዚ ወታሃደራዊ ስርሒታት ኣሜሪካ ንግብረ ሽበራዊያን ንምግጣም ምስ ዞባ ሳሕል ምሕዝነት ብምፍጣር ስርሒት ፍሊንትሎክ ብዝብል ሽም ዝፅዋዕ ዓመታዊ ሓባራዊ ልምምድ የካይድ እዩ።
ናይጀሪያ ኣብቲ ዞባ ቀንዲ መሻርኽቲ ክትኸውን ከላ እታ ሃገር ኣንፃር ምስ ዳዕሽ ምትእስሳር ዘለዎ ኣሸባሪ ጉጅለ ቦኮ ሓራም እተካይዶ ግጥም ኣሜሪካ ኣብ መዳይ ስለያ ሓገዝ ኣብ ምሃብ ትርከብ።
ናይ 2017 ዓ.ም ስርሒት ፍሊንትሎክ ናብ ምጅማር ገፁ እዩ።እቲ ንሰለስተ ሰሙናት ዝፀንሕ ልምምድ ካብ ልዕሊ 20 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ኣውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን ዝተዋፅኡ 2,000 ወታደራት ክሳተፍሉ እዮም።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።