ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ሰልፊ ብልጽግና ወረዳ ሃረካ ክልል ዓፋር ተቐቲሉ


ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ሰልፊ ብልጽግና ወረዳ ሃረካ ክልል ዓፋር ዑመር ለማ
ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ሰልፊ ብልጽግና ወረዳ ሃረካ ክልል ዓፋር ዑመር ለማ

ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ሰልፊ ብልጽግና ወረዳ ሃረካ ክልል ዓፋር ዝዀነ ዑመር ለማ ብዕጡቓት ምቕታሉ፡ ንምንጭታት እቲ ሰልፊ ብምውካስ ዝበጽሓና ዜና የመልክት። እቲ በዓል-መዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ነቡኡ ኣሕኪሙ ናብ ዓዱ ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ እዋን እቲ ፍጻመ ምግጣሙ'ውን ተሓቢሩ'ሎ።

እቲ በዓል ስልጣን በቶም “ኣሸበርቲ” ዝተሰምዩ ዕጡቓት ዘጋጠሞ መጥቓዕቲ ተኹሲ፡ ሓዉ መሓመድ ለማ’ውን ምቕታሉ እቲ ዜና የመልክት። ካብቲ መጥቓዕቲ ንኣቡኡ ሓዊሱ ክልተ ሰባት ምድሓኖምን እቶም ፈጸምቲ ወታሃደራዊ ክዳን ዝተኸድኑ ዕጡቓት ምንባሮም ተፈሊጡ ኣሎ።

ብዛዕባ’ቲ መጥቃዕቲ ግን ዛጊት ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የሎን። ሰልፊ ብልጽግና መንነት ናይቶም “ኣሸበርቲ” ኢሉ ዝጸውዖም ፈጸምቲ ኣይረቝሐን።

ኣቐዲሙ ሓላፊ ሰልፊ ብልጽግና ክልል ኣምሓራ ምስ ዓጀብቱ ምቕታሉ ዝዝከር’ዩ።

XS
SM
MD
LG