ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ታየ ደንዳኣ ኣብ ማእከላዊ ምርመራ ገበናት ከምዝርከቡ በዓልቲ ቤቶም ሓቢረን


ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ታየ ደንዳኣ
ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ታየ ደንዳኣ

ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ሞያሌ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንዝተፈጸመ ቅትለት ቤት ጽሕፈቶም ወኪሎም ዝተቓወሙ ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ክልል ኦሮምያ አቶ ታየ ደንደኣ ኣብ ማእከላዊ ምርመራ ገበናት ከምዝርከቡ አረጋጊጸ ክብላ በዓልቲ ቤቶም ተዛሪበን።

ወ/ሮ ስንታየሁ አለማየሁ ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝበልኦ አቶ ታየ ደንደኣ ኣብ ማእከላዊ ከምዘሎ አረጋጊጸ ኣለኹ ኢለን።

አቶ ታየ ደንደኣ አቦ ሓደ ቆልዓን ኮይኖም ተማሃራይ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ክልተ ጊዜ ብድምሩ ን13 ዓመታት ተአሲሮም ከምዝነበሩ ተገሊጹ’ሎ።

ዝምልከቶም አካላት ብዛዕባ’ዚ ንምዝርራብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይተዓወተን።

ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ታየ ደንዳኣ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም በዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ ስንታየሁ ኣለማየሁ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፀን።

“ንጉሆ ካብ ገዝኡ ብሰላም እዩ ተሰናቢቱ ወፂኡ።ኣፋኒየዮ ተመሊሰ።ኣብ መንገዲ ናብ ናይ ባዕሎም መኪና ኣሳፊሮም ሒዞምዎ ምስከዱ ኣብ ካልእ ቦታ ኣፅኒሖም ንፍተሻ ናብ ገዛ ሒዞምዎ ተመሊሶም፣ዝረኸቡዎ ነገር የለን።”

ገዛ ምስፈተሹ ሒዞምዎ ከምዝኸዱን ተኣሲሩዎ ናብ ዝተበሃለሉ ቦታ መግቢ ሒዘን ከይደን ክረኽብኦ ከምዘይክኣ ገሊፀን ኣለዋ።

እቶም ወሃቢ ቃል ኣብ ክልል ኦሮሚያ፣ዞባ ቦረና ከተማ ሞያሌ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ቶኪሶም ን10 ሰባት ዝቐተልሉን ንካልኦት 11 ሰባት ዘቑሰልሉን ፍጻሜ ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ናይቲ ክልል ብጌጋ እዩ ተፈፂሙ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ምግላፆም ይዝከር።

ኣብ ኣምነስቲ ኢንተናሽናል ምኽትል ዳይረክተር ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣቶ ሴፍ ማጋንጎ እዚ ኣዋጅ ህፁፅ ኣዋን ዶቡ ዘይፈልጥ ስለዝኾነ ዝነቐፈ ሰብ ብገበን ተሓታቲ ስለዝገብር ብዓንተብኡ እውን ክእወጅ ኣይነበሮን ኢሎም።

ብካልእ ዜና ኣብ ከተማ መቱ አዛዚ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ኮማንደር ነገራ ደሬራ ከምዝተአሰሩ ንደሕንነቶም ክብሉ ስሞም ዝዓቐቡ መሳርሕቶም ንድምጺ ኣሜሪካ ሃቢሮም።

በዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ ስመኝ ታየ ዝሓለፈ ሰንበት ከምዝተታሕዙ ሓቢሮን።

ብካልእ ዜና ናብ ኬንያ ሞያሌ ካብ ዝተሰደዱን ናይ ኬንያ ቀይሕ መስቀል ዝተመዝገቡን ኢትዮጵያዊያን 80 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ምኳኖም’ቲ ትካል ገሊጹ’ሎ።

ዓለምለኸ ምትሕብባር ንመሰል ኢትዮጵያዊያን ዝተባህለ ነቶም ዝተሰዱ ብዓለምለከ ቀይሕ መስቀል አቢሉ ናይ ገንዘብ ደገፍ ክምዝገብር ኣፍሊጡ’ሎ።

ብዛዕባ’ዚ ካብ መንግሲ ኢትዮጵያ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበረቶ ጻዕሪ ኣይቐንዓን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ታየ ደንዳኣ ተአሲሮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:33 0:00

XS
SM
MD
LG