ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገለ ወገናት ኣብ ሓውዜን ንምምሕያሽ ቅፅዓት ሰበ-ስልጣን ደርግ ንምቅዋም ሓቲቶም መልሲ ከምዘይረኸቡ ገሊፆም


ምምሕዳር'ቲ ወረዳ ግና ብዙሕ ኣፍልጦ የብልናን ይብል

ሰበ-ስልጣን ደርግ ዝነበሩ እሱራት መቅፃዕቶም ካብ ሞት ናብ ሙሉእ ዕድመ ማእሰርቲ ስለዝተማሓየሸሎም ንቃወም ኢና ዝብሉ ገለ ነበርቲ ወረዳ ሓውዜን፣ፈቃድ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ኣይረኸብናን ኢሎም የማርሩ።

ሓደ ካብ'ቶም ንምምሕይሽ ብይን ሰበ-ስልጣን ደርግ ንምቅዋም ፈቃድ ይዋሃበና ዝበሉ ኣቶ ንጉሰ ሃይለስላሰ ንምምሕዳር እቲ ወረዳ ብፅሑፍ ዘቅረብናዮ ሕቶ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ'ውን መልሲ ኣይረኸብናሉን ይብል።

ኣማሓዳሪ'ቲ ወረዳ ኣቶ ተወልደ ተ/ሃይማኖት ብወገኖም ህዝቢ'ቲ ከባቢ ንመዓልቲ ሰማእታት ትማሊ ብድምቀት ከምዘኽበረ ብምዝኽኻር እቲ ዝዝረበሉ ዘሎ ሕቶ ንተቃውሞ ሰልፊ ዝፈልጦ ነገር የለን።እንተኾነ ዝተወሰኑ ሰባት በቲ መንግስቲ ዝሃቦ ምምሕያሽ ፍርዲ ቅሬታ ዝተሰመዖም ሰባት ኣለው ይብሉ።

XS
SM
MD
LG