ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ሃዋሳን ምምሕዳር ዞባታትን ሰባት ይእሰሩ ኣለዉ ክብሉ ነበርቲ ይሕብሩ


ሀዋሳ
ሀዋሳ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሲዳማ ከተማ ሃዋሳን ምምሕዳር ዞባታትን ሰባት ብዘይ ሕጋዊ መጽውዒ ይእሰሩ'ለዉ: ገለ ገለ ኣባይቲ ድማ ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ተፈቲሹ ክብሉ ፌደራሊስት ፓርቲ ሲዳማን ስድራቤታትን ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።

ፌደራሊስት ፓርቲ ሲዳማ ሰለስተ ኣባላቱ ከምዝተኣስሩን ክተሓዙ ዝርዝር ስሞም ወጺኡ ዝበሎም 60 ነበርቲ እቲ ክልልን ካብቲ ከባቢ ከም ዝተሰወሩ ኣፍሊጡ'ሎ።

ሓይሊ ዕማም ጸጥታ ክልል ሲዳማ ብወገኑ ኣብ መንጎ መንግስቲን ህዝብታት እቲ ክልልን ኣፈላላይ ንምፍጣርን ጎንጺ ንምልዕዓልን ብስዉር ዝንቀሳቀሱ ኣካላት ኣለዉ ክብል ዝገለጸ ክከውን ከሎ ስለዝኾነ ድማ ሕጋዊ ስጉምቲ ንክውሰድ ተወሲኑ ክብል ናይቲ ክልል ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ኣፍሊጡ'ሎ።

ኣቦ መንበር ፌደራሊስት ፓርቲ ሲዳማን ኣብ ሃዋሳ ዩኒቨርስቲ መምህር ሕጊን ዝኾኑ ፕሮፈሰር ተሰማ ኤልያስ ብወገኖም መንግስቲ እቲ ክልል ነዚ ስጉምቲ ዝወስድ ዘሎ ኣብቲ ክልል ንዘሎ ስርቂን ስርዓት ኣልቦን ጸገማት ሰናይ ምሕደራን ንኸይቅላዕ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም'ለዉ።

ምክትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮሚኒከሽን መንግስቲ እቲ ክልል አቶ ኢያሱ ዳዊት ብወገኖም ውልቀ ረብሓን ስልጣንን ዝደልዩ ሰባት ዘውርይዎ እዩ ክብሉ ነቲ ክሲ ነጺጎሞ'ለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG