ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሃዋሳ ንሰራሕተኛ ባንኪ ዝጨወየ ተጠርጣሪ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ


ሃዋሳ
ሃዋሳ

ንሓንቲ ነባሪት ከተማ ሃዋሳ ሰራሕተኛ ዳሽን ባንክ ብምጭዋይ ዝተጠርጠር ሳጅን የኃላመብራት ወልደማርያም ኣብ ቀይዲ ምእታዉ ቤት ፅሕፈት ፀጥታን ሰላምን ክልል ሲዳማ ኣቶ ኣለማዮህ ጢሞቴዎስ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፀጥታን ሰላምን ሲዳማ ኣቶ ኣለማዮህ ጢሞቴዎስ፡ 15 ግንቦት 2015 ነታ ውልቀ-ሰብ ካብ ከተማ ሃዋሳ ብምጭዋይ ከምዝተሰወረ ዝተገልፀ ተጠርጣሪ ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ካብ 23 ግንቦት ጀሚሩ ካብ ምብራቕ ጉጂ ወረዳ ቦሬ ጀሚሩ ክትትል ክካየድ ዝፀንሐ ኾይኑ ትማሊ ኣብ ወረዳ ሃገረ ሰላም ክተሓዝ ምኽኣሉን ሃዋሳ ኣብ ዝርከብ መደብር ፖሊስ ከምዝርከብን ሓቢሮም።

ኣቶ ኣለማዮህ ወሲኾም ቤት ፅሕፈቶም እታ ግዳይ ፍትሒ ክትረክብን ተጠርጣሪ ምስ መሻርኽቱ ድማ ግቡእ ሕጋዊ መቕፃዕቲ ኣብ ዝረክብሉ ኩነታት ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም።

እታ ውልቀሰብ ዘድልይ ሕክምናዊ ክትትል ኣብ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ከምዝተገብረላን ዘድሊ ሓበሬታ ንምርካብ ብዝብል ንሰለስተ መዓልታት ኣብ መደብ ፖሊስ ሃዋሳ ከምዝጸንሓት ተሓቢሩ'ሎ። ድሕሪ መጭወይታ 10 መዓልታትን እቲ ተጠርጣሪ ቅድሚ ምትሓዙ ከተምልጥ ምኽኣላ እዩ ተገሊፁ።

ኣብዚ እዋን ንዝበለፀ ሕክምናን ስድራኣ ናብ ዝርከብሉ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምኻዳ ኣብቲ ኸባቢእትርከብ ዓባይ ሓፍታ ሓቢራ። ምስ'ዚ ገበን ተተሓሒዙ 11 ሰባት ምእሳሮም ኣቶ ኣለማዩህ ኣፍሊጦም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG