ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ጫድ ነበር ሓሰን ሃብረ ንነፍስወከፍ ግዳይ መሪሕነቱ 33 ሽሕ ዶላር ክኽሕስ ተበይኑ


ውልቀመላኺ መራሒ ጫድ ዝነበረ ሓሰን ሃብረ: ንነፍስወከፍ ግዳይ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝገበሮም ከሰስቱ 33 ሽሕ ዶላር ክኽሕስ ወሳነ ቤት ፍርዲ ተመሓላሊፉ።

እዚ ውሳነ ካሕሳ ዝተመሓላለፈ: ሕብረት ኣፍሪቃ ብዘቖሞ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ክኸውን እንከሎ፤ ጾታዊ ዓመጽ ንዝተፈጸሞም: ብዘይ ምኽንያት ንዝተሰወሩን ዝተዳጎኑን ግዳያቱ ዝውዕል ከምዝኾነ ድማ ብተወሳኺ ተሓቢሩ።

ነቲ ውሳነ ዘመሓላለፈ ተወላዲ ቡርኪናፋሶ ዝኾነ ዳኛ ግበርዳኦ ጉስታቭ ካም: ካሕሳ ዝግብኦም ግዳያት ሓሰን ሃብረ ቁጽሮም ክንደይ ከምዝበጽሑ ኣይጠቐሰን።

ይኹንምበር: ጃኩሊን ሞውደይና ዝተባህለት ጠበቓ ናይቶም ካብ 1982 ክሳብ 1990 ኣብ እዋን መሪሕነት ሓሰን ሃብረ ናይ 4733 ግዳያት ክስታት ምህላዎም ኣፍሊጣ። ንሳ ብተወሳኺ: ካብዚኣቶም እቶም ዝበዝሑ ቀጥታዊ ግዳያት ማለት ዝተኣስሩን ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሃዲሞም ዘምለጡን ምዃኖም ንጋዜጠኛታት ሓቢራ።

ብመሰረት ሓበሬታ ዳኛ እቲ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ግበርዳኦ ጉስታቭ ካም: ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝለዓለ ክፍሊት ካሕሳ ከምዝወሃቦም ተገሊጹ።

ሓሰን ሃብረ: ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ውልቀመላኺ ነይሩን ንህዝቡ ድማ ኣበሳቢሱን ኢሉ ክሲ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት መስሪቱ ኣብ ቤት ፍርዲ ዘቕረቦ ናይ ፈለማ መራሒ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዝነበረ'ዩ። ። ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝተዋህበ ውሳነ ሓሰን ሓብረ ንሕልፈት ክእሰርዩ ተፈሪዱ።

XS
SM
MD
LG