ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍሉጥ ሱዳናዊ ፖለቲከኛ ሓሰን ኣል-ቱራቢ ዓሪፎም


ሓሰን ኣል-ቱራቢ-ጥቅምቲ 23, 2014 ዓ.ም.ፈ
ሓሰን ኣል-ቱራቢ-ጥቅምቲ 23, 2014 ዓ.ም.ፈ

ሓሰን-ኣልቱራቢ ብምኽንያት ዝሓደሮም ሕማም ልቢ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ መበል 84 ዓመት ዕድሚኦም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ዝተረኽብሉ ኸኣ ትማሊ ሰንበት አብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ኻርቱም ተቀቢሮም።

ሓሰን ኣል-ቱራቢ ኣብቲ ንፕረዝደንት ዑመር ኣል-በሽር ናብ ስልጣን ዘምጽአ ናይ 1989 ዓ.ም ዕልዋ መንግስቲ ዓቢ ግደ ዝነበሮም’ዮም። እንተኾነ ግን ድሒሩ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ናይ ስልጣን ምስሕሓብ ብመሪሕነት ኣልበሽር ብተደጋጋሚ ከምተአሰሩ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG