ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃሪ ቤላፎንተ ዓሪፉ


ሃሪ ቤላፎንተ-ፋይል
ሃሪ ቤላፎንተ-ፋይል

ኣመሪካዊ ደራፊ፡ ተቓላሲ መሰል ዜጋታትን ዝነበረ ሃሪ ቤላፎንተ ሎሚ ሰሉስ ኣብ መበል 96 ዓመቱ ምዕራፉ፡ ወኪል እቲ ድምጻዊ ወግዓዊ ገይሩ።

“ንጉስ ካልይፕሶ” ዝብል ቅጽል-ስም ዝተዋህቦ ቤላፎንተ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ምድራፍን ምውሳእን ተራኡ፡ ንመሰል ጸለምቲ ኣብ ዝነበረ ቃልሲ መሪሕ ተራ ዝነበሮ’ዩ። ቤላፎንተ፡ ንመሰል ጸለምቲ ኣብ ዝነበረ ቃልሲ፡ ኣብ ጎድኒ ማርቲን ሉተር ኪንግ ብምዃን፡ ኣብቲ ቃልሲ ጸላዊ ተራ’ውን ዝተጻወት ምዃኑ ታሪኽ ህይወት እቲ ስነ-ጥበበኛ ይሕብር። ቤላፎንተ፡ ኪንዮ ኣመሪካ፡ ኣብ ሓያሎ ዓለማዊ መድረኻት’ውን ተራኡ ዝተጻወተ ኣምባሳደር ግብረ-ሰናይ’ዩ ነይሩ።

XS
SM
MD
LG