ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ም/ፕረ. ሃሪስ ዜጋታት ንመሰል ምሃብ ድምጺ ምቅላስ ክቕጽሉ ጸዊዓን


ምኽትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ካመላ ሃሪስ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ክፍለ ግዝኣት ኣላባማ ትማሊ ሰንበት ኣብ መበል 59 ዓመት ዝኽሪ’ቲ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ሲቪላዊ መሰላት ኣመሪካ ዓበይቲ ካብ ዝኾኑ ፍፃመታት ሓደ ዝኾነ “ብላዲ ሳንደይ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ተረኺበን ኣብ ንመሰላት ምሃብ ድምፂ ዘሐይል ስጉምታት ክመሓላለፍ ፀቂጠን ተዛሪበን።

ምኽትል ፕረዚደንት ሃሪስ ነቲ ብኣኽበርቲ ፀጥታ ኣብ እግሪ’ቲ ተቃለስቲ መሰል ምምራፅ ብዘስካኽሕ ኹነት ዝተቐጥቀጥሉ ድልድል ኤዱመንድ ፒቱስ ተረኺበን ኣብ ዘስምዕኦ መደረ እቶም ተቃለስቲ መሰላት እዚ ስጉምታት ከምዝውሰዶም እናፈለጡ’ውን ነቲ ሰብ ብምዃኖም ጥራይ ናቶም ዝኾነ ናጽነትነት መሰል ምምራጽን ብዘይ ፍርሂ ምንባርን ብማዕረ ዜጋታት’ዛ ሃገር ምዃኖም ክኽበረሎም ንምሕታት ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያዶም ጠቂሰን።

ሓያለ ክፍላተ ግዝኣታት ኣብ ምሃብ ድምፂ ትምህርቲን ክፍሊ ኣካላት መዋለዲ ደቀንስትዮን ቀይድታት ንምግባር ኣብ ዝፍትናሉ ዘለዋ ኣብዚ ሕጂ’ውን እዛ ሃገረ ኣብ ቀራና መንገዲ’ያ ዘላ ክብላ ሃሪስ ወሲኸን ተዛሪበን።

ድሕሪ መደረኤን ሃሪስን ምስ መራሕቲ ሲቪላዊ መሰላት ኣመሪካ ኣብ ዙርያ’ዪ ድልድል ናይ እግሪ ጉዕዞ ኣካይዶም።

እቲ ኣብታ “ሰንበት ደም” ተባሂላ ትፍለጥ ዕለት ዝነበረ ዘስካኽሕን ብተለቪዥን ዝተመሓላለፈ ፍፃመ ነቲ ናይ 1965 ሕጊ መሰል ምምራፅ ክሓልፍ ደሪኹ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG