ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ጆርጂያ ኣብ ዝርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝተፈፀመ ቕትለት ዝለዓለ ኣታዊ ካብ ዘለወን ሃገራት ንላዕሊ ኣብ ኣመሪካ ብቶኽሲ ዝፍፀም ቅትለት ዝለዓለ ምዃኑ ዘዘኻኽር እዩ ክብሉ ክኢላታት ጥዕና ይገልጹ። ምኽትል ፕፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ጥቡቕ ሕጊ ብረት ይደልያ።መወዳድርተን ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ንቐይድትታ ብረት ከም ዝንክይዎ ተመባጺዖም ኣለው።
ካማላ ሃሪስ ኣብ ኒው ሃምሸር ኣብ ዘካየድኦ ወፍሪ ምርጫ ብዛዕባ እቲ ናይ ጆርጅያ ፍጻመ ከምዚ ኢለን። "ነዚ ኣብ ሃገርና ዝርአ ዘሎ ዓመፅ ብረት ንመወዳእታ ክነቋርፆ ኣለና። ከምዚ ክኸውን ኣየድልን።"
ጉዳይ ምስ ብረት ዝተኣሳሰር ህውክት ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሃገራዊ ዋዕላ ዲሞክራሲያዊያን ፓርቲ ጎሊሑ ቦታ ዝተውሃቦ ኣርእስቲ ነይሩ።
ሃሪስ ኣብ ወፍሪ ምርጭአን ኣቐድም ኣቢለን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ቀዳምነት ብምሃብ ተዛሪበናሉ እየን።
"ኣብ ሕዳር ምስ ተዓወትና ሓፈሻዊ ናይ ድሕረ ባይታ ምርመራ፣ ሕግታት ቀይሕ መጠንቀቕታ ከምኡ እውን ክልከላ ንመጥቓዕቲ ዝውዕሉ ብረት ክነተኣታትው ኢና።"
ሃሪስ ምኽኑይ ስጉምትታት ድሕነት ብረት እምበር ናይ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ብረት ንምምንጣል ድልየት ከምዘይብለን ገሊፀን ኣለዋ።
ብብረት ዝፍፀም ህውከት ንምክልኻል ናይ ዝሰርሕ ብራንዲ ዝተባህለ ማእኸል ፕረዚደንት ክሪስ ብራውን ኣዝየን ግልፂ ስለዝኾና ቃለን ክፍፅማ እየን ይብል።
ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ኣብ ጆርጂያ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣቢሎም ኣብ ዝሃቡዎ ርእይቶ ነቶም ግዳያት ዘለዎም ደገፍ ብምግላፅ ነቲ ቶኳሲ ‘’ዝሓመመን ዝተበላሸወ ሞንስተርን’’ እዩ ክብሉ ፀዊዖምዎ።
ዓቃባዊያን መብዛሕቲኡ ግዜ ንመሰላት ምውናን ብረት ይጣበቑ እዮም። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዝተኻየደ ሃገራዊ ዋዕላ ሪፓብሊካዊያን ፓርቲ ግን ነዚ ቀዳምነት ኣይሃቦን። እቲ ዋዕላ ፕረዚደንታዊ ሕጹይ'ቲ ፓርቲ ዒላማ ቅንፀላ ኮይኖም ዝነበርሉ ድሕሪ ክልተ መዓልታት እዩ ተኻይዱ። እቲ ፈተነ ቅንፀላ ኣመሪካዊያን ንምውናን ብረት ዘለዎም ተበፃሕነት ብዝምልከት ዘለዎም መርገፂ ኣይቀየሮን።
ፕረዚደንታዊ ሕፁይ ሪፓብሊካዊያን ፓርቲ ዶናልድ ትራምፕ፡ "ነቲ ብረት እንተወጊድካዮ ክትገብሮ ኣይትኽእልን። ምኽኒያቱ ሰባት ንመሐለዊኦም ብረት የድልዮም እዩ።"
ትራምፕ ምስ ወነንቲ ብረት ደው ኢሎም ነቲ ብምምሕዳር ባይደን ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ቀይዲ ከም ዝንክይዎ ተመባጺዖም ኣለው።
ንመሰላት ምውናን ብረት ዝሕለቑ ጉጅለታት ወነንቲ ብረት ኣብ ሕዳር እንተድኣ መሪፆም ኣብተን ዝያዳ ውድድር ዘለወን ክፍለ ግዝኣታት ድምፂ ናብ ባዕሎም ከቕንዕዎ ከም ዝኽእሉ ይዛረቡ።
ኣላን ጎትሊየብ ምኽትል ፕረዚደንት ትካል ሰከንድ ኣመንድመንት ፋውንደሽን እዩ። ጎትሊብ ከም ዝገለፆ መሰላት ምውናን ብረት ልዕሊ ንመረፅቲ ዘሻቕሉ ዝርዝር ጉዳያት ቁጠባን ኢሚግረሽንን ፀብለልታ ኣርእዩ ኣይፈልጥን ይብል።
ቅጥዒ