ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ንታንዛንያ 560 ሚልዮን ዳለር ደገፍ ከምትልግስ ም/ፕረ. ካሚላ ሃሪስ ኣፍሊጠን


ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ካሚላ ሃሪስ ምስ ታንዛንያ ቀጻሊ ምትሕግጋዝ ከምዝህልው ኣፍሊጠን።

ንሰን ነዚ ርእይቶ ዝሃባ ምስ ፕረዚደንት'ታ ሃገር ኣብ ዝተራኸባሉን እዋን እዩ።

ንሰን ኣብ ታንዛንያ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፣ እቲ ዘይተረረ መስርሕ ሓቋፋይ መንግስቲ ንክሕይል ኣተባቢዔን። ኣመሪካ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ይቀላቀል ዘሎ መስርሕ ዴሞክራሲ’ውን ንክሕይል ደገፍ ከምትገብር ገሊጸን።

ምስ ፕረዚደንት ታንዛንያ ሳምያ ሱሉሁ ሓሰን ኮይነን ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ ታንዛንያ ኣብ’ዚ ቀረባ፣ ኣብ ልዕሊ ሰልፊ ተቃውሞ ዝነበረ እገዳ ምልዓላ ንኢደን ከምኡ'ውን ነጻነት ሚድያ ንክክሕይልን ኣብ ጎደና ዴሞክራሲያዊ ለውጢ ክትግስግስን ኣዘኻኺረን።

ብዘይካ'ዚ፣ ኣመሪካ ንታንዛንያ 560 ሚልዮን ዳለር ደገፍ ከምትልግስ ኣፍሊጠን።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ምክትል ፕረዚደንት ከሚላ ሃሪስ ናይ ታንዛንያ መገሸአን ዛዚመን ናብ ዚምባብዌ ተበጊሰን ኣለዋ። ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ መገሻ ከምዝገብራ ዥከር እዩ።

XS
SM
MD
LG