ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጎስጓስ ምርጫ ሃሪስ ኣብ ፐንስልቫንያ


ፕረዚደንት ባይደንን ም/ፕረ ሃሪስ ኣብ ላርጎ ሜሪላንድ- ፋይል
ፕረዚደንት ባይደንን ም/ፕረ ሃሪስ ኣብ ላርጎ ሜሪላንድ- ፋይል

ምኽትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ካመላ ሃሪስን ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ሎሚ ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ ንዝዝከር መዓልቲ ሰራሕተኛታት ምኽንያት ብምግባር ጎስጓስ ወፍሪ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንምኽያድ ናብ ክፍለ ግዝኣት ፐንሰልቫንያ ኣምሪሖም።

ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ፒትስበርግ ዝካየድ ሰልፊ ጽንብል’ቲ በዓል ተረኺቦም መደረ ከስምዑ’ዮም። ንዲሞክራስያውያን ብዙሕ ዘበራበረ ሓድሽ መልክዕ እቲ ፕረዚደንታዊ ውድድር ካብ ዝፍጠር ንደሓር ክልቲኦም ኣብ ሓደ መድረኽ መደረ ከስምዑ እዚ ፈላማይ’ዩ።

ወፍሪ ምርጫ ሃሪስ ከምዝብሎ መረጽቲ ክፍለ ግዝኣት ፐንሰልቫንያ ሃሪስ ሕጽይቲ ፕረዚደንታዊት ምርጫ ካብ ዝኾና ንደሓር ከም ብሓድሽ ተነቃቂሖም’ለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG