ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንምሩጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ እንኻዕ ሓጎሰካ ኢሎም። ሕጽይቲ ሰልፊ ዲሞክራሲያዊያን ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ’ውን ስዕረተን ብምቅባል ንምሩጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ እንዃዕ ሓጎሰካ ብምባል ኣመሪካ ንስግግር ስልጣን ትቀራረብ ኣላ ኢለን።
ካማላ ሃሪስ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘስመዐኦ መደረ “ተኣማንነትና ንፕረዚደንት ወይ ንውልቀሰብ ዘይኮነስ፣ ንሕገ መንግስቲ ኣመሪካ’ዩ፡ ንሕልናናን ንፈጣሪን እዩ" ኢለን።
ምኽትል ፕረዚደንት ካመላ ሃሪስ ምስ ምሩጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዘካየደኦ ናይ ቴሌፎን ልዝብ ብዛዕባ ኣገደስነት ሰላማዊ ስግግር ስልጣን፣ ትራምፕ ናይ ኩሎም ኣመሪካዊያን ፕረዚደንት ክኾኑ ከምዝግባእ ከምዝተዘራረባ ሓቢረን።
ትራምፕ ብወገኖም እተን ምክትል ፕረዚደንት ኣብ እዋን ወፍሪ ምርጫ ዘርአየኦ ትብዓት፣ ክእለትን ዓቕሚን ዝናኣድ ምዃኑ ብምግላጽ ካብኡ ዝሰገረ ክልቲኦም ወገናት ንሓድነት ህዝቢ ኣመሪካ ሓቢሮም ክሰርሑ ከምዝተሰማምዑ ዝመጸና ዜና ይሕብር።
ቅጥዒ